ውሕመ ፍትሓዊነትን እዋናዊ ኩነታት ዓለምን ዘማእኸለ ለውጢ የድልዮ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018 (ኢዜኣ) ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ውሕመ) ፍትሓዊ፣ሓቛፍን እዋናዊ ኩነታት ዓለም ዘማእኸለን ለውጢ ከም ዘድልዮ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ጉዕዞ 80 ዓመታት ውሕመ ምኽንያት ብምግባር “ብሰላም ሓቢርካ ንምንባር” ብዝብል መሪሕ ቃል ፍሉይ እኽብካብ መዘከርታ ቴምብር ኣውፂኣ።



ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሩ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ መበል 80 ዓመት ውሕመ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን በዓል ብዙሕ ወገን ትካላት እናተለወጠት ምስ ዘላ ዓለም ሓቢሮም ክጎዓዙ ከምዘለዎም ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
ቅድሚ 80 ዓመታት ድሕሪ እቲ መስካሕክሒ ኲናት ውሕመ ከምዝተጣየሸ ብምዝኽኻር፤ ምጥያሽ ውሕመ ሃገራት ብሓባራዊ ቅዋም ንሰላም፣ ክብርን ምርግጋዕን ብምትሕብባር ክሰርሓ ኣለወን ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ እዩ ኢሎም።
እዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጢ ቻርተር ውሕመ ከምዝተኻተተ ብምግላፅ፤ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ፍትሒ፣ ማዕርነትን ማሕበራዊ ለውጥን ዓምድታት እቲ ቻርተር ከምዝኾኑ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያ ካብ መስረትቲ ሃገራት ውሕመ እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ዘለዋ ታሪኽ ኣብ ቅዋም መሰረት ዝገበረን ልዑል ፈተና ዝሓለፈን ከምዝኾነ ኣመላኺቶም።
ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምትእምማን ኣብ ትሕቲ ፅልዋ ወዲቑ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ጎንፅታት ብዝበለፀ እናተሓላለኹ ከምዝመፁ እውን ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ቃል ኪዳናትን ትግበራታትን ዘሎ ኣፈላላይ እናሰፍሐ ከምዝመፀ እውን ኣረዲኦም።
ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ፍትሓዊ፣ ሓቛፍን እዋናዉ ኩነታት ዘማእኸለን ብዝኾነ መልክዑ ዓርሱ እናለወጠ ክኸድ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣፍሪካ ኣብ ውሕመን ዓለም ለኸ ስርዓትን ውክልና ክትረክብ ከምዘለዋን ኣፍሪካ ብዝለዓለ ሓላፍነት እጃማ ንምውፃእ ድሉውቲ ከምዝኾነትን እውን ገሊፆም።
ኣፍሪካ ጠንካራን ብዝበለፀ ተኣማንነት ዘለዎን ስርዓት ዓለም ንክህነፅ ጠንኪራ ከም ትሰርሕ ተዛሪቦም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን፣ ልምዓት፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዕቤት ቴክኖሎጅን ምላሽ ክህብ ኣለዎ ኢሎም።
እዞም ፈተናታት እዚኣቶም ምላሽ ንክረኽቡ ዕሙቕ ምትሕብባር፣ ጠንካራ ምሕዝነትን ትርጉም ዘለዎ ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ከምዘድሊ ኣብሪሆም። 
ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓላፍነት ግልፂ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ በዓል ብዙሕ ወገን ስርዓት ዓለም ነዚ ዘበን ዝምጥን ስርዓት ከምዘድልዮ ሓቢሮም።
ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ውሕመ ምስ ኣፍሪካ ዘለዎ ምትሕብባር ንክጠናኸር ንዘሳልጥዎ ዘለዉ ስራሕ ኣፍሪካውያን ዓብይ ዋጋ እዮም ዝህብዎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሎሚ ዕላዊ ዝገበረቶም ታሪኻዊ ቴምብራት ንትግበራ ኣተሓሳስባ ውሕመ ንዝተግሁ ኩሎም ኣፍልጦ ዝህቡ ከምዝኾኑ እውን ፀሪሖም።



ኢትዮጵያ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ፍትሓዊ፣ ሓቛፍን ውፅኢት ተኮርን ክኸውን ከምዘለዎ ከምትኣምን ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ነዚ ድማ ብቆራፅነት ከምትሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ መፃኢ ኩነታት ዓለም እጃማ ከምትዋፃእ ብምሕባር፤ ሕዚ ኣብ ዘለናሉ ዓለም ምትሕብባር ንሰላምን ምርግጋዕን ቁልፊ ዓምዲ እዩ ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም