ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም ተመሊሶም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ንዝዛዘሙ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣፋኒዎምዎም።



ፕሬዚዳንት ማክሮን ኣብ ፃንሒቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ምትሕብባር ውፅኢታዊ ዘተ ገይሮም።
ዘተ እቶም መራሕቲ ስዒቡ እውን ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ተሓዳሲ፣ ዝተዋደደን ዘላቕን ሓይሊ ከምኡ እውን ፕሮግራም ዲጂታላይዜሽን ተግባራዊ ንምግባር ዝውዕል ስምምዕ ልቓሕ 54 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዩሮ ከምኡ እውን ሓዱሽ ልውውጥ ማዕቐፍን ፍኖተ ካርታን ምሕዝነት መንግስትን ውልቀን 150 ሜጋ ዋት ጆኦተርማል ገይሮም።
ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ልዕሊ 125 ዓመታት ዘቑፀረን ኣብ ጠንካራ መሰረት ታሪኽ ዝተሃነፀን እዩ።
ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ናብ ፍሉይ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዓብዩ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ኣብ ፈረንሳይ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስዒቡ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ውሽጢ 5 ኣዋርሕ ንኢትዮጵያ ብምጉብናዮም እቲ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ እዩ።
ፕሬዚዳንት ማክሮን ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ንመበል ሳልሳይ ግዜ እንትኸውን፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ/ም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ 2017 ዓ/ም ዑደት ከምዝገበሩ ዝዝከር እዩ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም