ኢትዮጵያ ንጉዕዞ 80 ዓመታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝምልከት ፍሉይ እኽብካብ ቴምብር ኣውፂኣ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንጉዕዞ 80 ዓመታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝምልከት ፍሉይ እኽብካብ ቴምብር ኣውፂኣ
ኣዲስ ኣበባ፤ ግንቦት 5/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ጉዕዞ 80 ዓመታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምኽንያት ብምግባር፣ “ብሓባር ብሰላም ንምንባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ፍሉይ እኽብካብ መዘከርታ ቴምብር ዕላዊ ከምዝገበረት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ንጉዕዞ ሸሞንተ ዓሰርተታት ዓመታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት መሰረት ብምግባር “ብሓባር ብሰላም ንምንባር” ብዝብል መሪሕ ቃል ፍሉይ ቴምብር መዘከርታ ከምዘዳለወት ሓቢሮም።
እቶም ኣርባዕተ ቴምብራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ1945 ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ምፍራም ጀሚሩ፣ ኣብ ኮንጎ ሓይልታት ዓቀብቲ ሰላም ክሳብ ምውፋርን ኣብ መሬት ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምትእንጋድ ሓዊሱ ናይ ሓባር ተረኽ ዝትርኹ ምዃኖም ኣረዲኦም።
ብዓለምለኸ ሕብረት ፖስታ ኣቢሎም ን192 ሃገራት ዝተዘርግሑ እዞም ቴምብራት፤ ንኩሉ ወለዶ ዝተርፍ መርኣያ ታሪኻዊ ኣሰር ምዃኖም እውን ኣመልኪቶም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝን ጉጅለኦምን ሰላም፣ ልምዓትን ሰብኣዊ መሰላትን ንምኽባር እናርኣዩዎ ንዘለዉ ጽኑዕ መሪሕነት ናእድኦም ገሊጾም።
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጸኒዑ ዝቐፀለ ሃገራት ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ዘተ ብምምራጸን ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ወትሩ ምርጫኣ ክተጽንዖ ምዃና ኣፍሊጦም።