መንግስቲ ንኢትዮጵያ ዘሳግሩን ዝውስኑን ፖሊሲታት ብሳይንሳዊ ምርምር ናይ ምድጋፍ ባህሊ ከጠናኽር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ጉንቦት/ 5/2018(ኢዜኣ)፦ መንግስቲ ኩለ መደያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍን ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ዝሓንፀፆም ፖሊሲታትን ትልምታትን ኣብ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ዝተሞርኮሱ ንክኾኑ ትኹረት ከም ዝሃበሉ ሚኒስትር ልምዓትን ፕላንን ኢትዮጵያ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን፡፡ 
"ሓበሬታ ንልህቀት፣እጃም ፖሊሲ ንዝበልፀገት ኢትዮጵያ" ብዝብል ቴማ ንፈለማ ግዘ ሃገር ለኸ መድረኽ መዓልቲ ፖሊሲ ተሳሊጡ፡፡



ሚኒስትር ልምዓትን ፕላንን ኢትዮጵያ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምዕዋት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ዘለዎ ዘይትካእ ግደ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ኣብሪሀን፡፡ 
ሚኒስቴር ልምዓትን ፕላንን ነዊሕ ጉዕዞ እታ ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ነዙይ እውን ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ከም መምርሒ ብምጥቃም እናሰርሐ ከም ዝኾነን ገሊጸን፡፡ 
ራእይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ መርኣያ ልምዓት ክትኸውን ምግባር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ መርኣያ ኩለ መደያዊ ዕብየትን ዓወትን እታ ኣህጉር ናይ ምዃን ድልየት ከም ዘመላኽት ሓቢረን፡፡ 
እቲ ራእይ ንምዕዋት ኢኮኖሚ ካብ መንግስቲ ናብ ውልቀ ንክሰጋገር ዘኽእሉ ስጉምትታት ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ እናተኻየዱ ከም ዝኾኑ እውን ተዛሪበን፡፡ 
እቶም ለውጥታት ኢንቨስትመመንት ንምስሓብን ተወዳዳሪት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምህናፅን ተሓሲቦም ዝተዳለዉ ከም ዝኾኑ ኣረዲአን፡፡ 
ኣብቲ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ጠንካራ መፅናዕትን ምርምርን ፖለሲ ከም እታዎት ኣብ ረብሓ ክውዕል ከም ዝግባእ እውን ኣመላኺተን፡፡ 



ብፍላይ ከም ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ዝበሉ ትካላት ኩሎም ኣንፈታት ልምዓት ውፅኢታዊ ክኾኑን ዘይተሳኽዑ ድማ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝኾነ ብመርትዖ ዝተደገፈ ትንታነ ምቕራብ ክቕፅልሉን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲበን፡፡ 
እቲ ኢንስቲትዩት ንምድላዋት ሃገራዊ ትልምን ንግምገማ ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ቀንዲ ፍልፍል መርትዖ ኮይኑ ክቕፅል ይግባእ ኢለን፡፡
ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዕብየት ሃገር ዝለዓለ እጃም ከም ዘበርከተ ብምሕባር፤ እቲ ትካል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ኣብዚ ኣህጉር ካብ ዘለዉ ማእኸላት መፅናዕቲ እቲ ሓደ ከኸውን ራእይ ኣቐሚጡ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተገሊፁ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም