ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዘትዮም
አዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ዝጠመተ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዝዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ጠመተ ዝገበረ ክልቲኣዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበሩ ቁልፊ ስምምዓት ብሓባር መሪሕና ክብሉ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ድማ ተሓዳሲ፣ዝተዋደደን ዘላቕን ሓይሊ ከምኡ እውን ፕሮግራም ዲጂታላይዜሽን ተግባራዊ ንምግባር ዝውዕል ስምምዕ ልቓሕ 54 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዩሮ ከምኡ እውን ሓዱሽ ልውውጥ ማዕቐፍን ፍኖተ ካርታን ምሕዝነት መንግሥትን ውልቀን 150 ሜጋ ዋት ጂኦተርማል ከምዝርከብዎ ኣብራህሪሆም።