ፅሬት ትምህርቲ ብምርግጋፅ ውፅኢት ተምሃሮ ምምሕያሽ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም-ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ - ኢዜአ ትግርኛ
ፅሬት ትምህርቲ ብምርግጋፅ ውፅኢት ተምሃሮ ምምሕያሽ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም-ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ
ኣሶሳ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) ፅሬት ትምህርቲ ብምርግጋፅ ውፅኢት ተምሃሮ ምምሕያሽ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።
ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ብምዃን ኣብ ከተማ ኣሶሳ ህንፀት ሞዴል ቤት ትምሀርቲ ካልኣይ ብርክን ቤት ትምህርቲ ሓዳርን ኣጀሚሮም።
ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓውዲ ትምህርቲ ብምምዕባል ውፅኢታውነት ተምሃሮ ንምምሕያሽ ህንፀት ሞዴል ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ክሳብ ሕዚ ብብርኪ ሃገር 34 ሞዴል ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ከምዝተሃነፁ ብምግላፅ፤ ኣብዞም ኣብያተ ትምህርቲ ዘበናውን ተግባር ተኮርን ትምህርቲ እናተውሃበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ከተማ ኣሶሳ ዝህነፅ ሞዴል ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ እውን 570 ሚልዮን ብር በጀት ከምዝተመደበሉ ብምሕባር፤ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ንምዝዛም ከምዝተተለመ እውን ኣረዲኦም።