ኣብ ምርምርን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ንብልፅግና ኢትዮጵያ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ምርምርን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ንብልፅግና ኢትዮጵያ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) ኣብ ምርምርን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንክኸውን ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
"ሓበሬታ ንልህቀት፣እጃም ፖሊሲ ንዝበልፀገት ኢትዮጵያ"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፈለማይ ሃገራዊ መዓልቲ ፖሊሲ ተኻይዱ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ንብልፅግና ሃገር ዘለዎ ወሳኒ እጃም ኣፅንኦት ሂቦምሉ።
ዕዉታት ሃገራት ኣብ ኢንዱስትርን መሰረተ ልምዓትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ፍልጠት፣ምርምርን ስትራቴጂካዊ ኣተሓሳስባን ከምዝተግሃ እውን ሓቢሮም።
ፖሊሲ መሰረት ኩለ መዳያዊ ሃገራዊ ጉዕዞ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ኣብ መንጎ ፍልጠትን ተግባርን ከም ድልድል ብምዃን “ድምፂ ኣልቦት ሞተር” ሃገራዊ ልምዓት ኮይኑ እናገልገለ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ስግግር ከምትርከብ ብምሕባር፤ ኣብ መፅናዕትን ስነዳን ፖሊሲ ትኹረት ክወሃቦም ዝግብኡ ዋና ዋና ጉዳያት ኣልዒሎም።
ንሳቶም ድማ ጉዳያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓምለዋይ ልምዓትን፣ምምሕዳር ማክሮ ኢኮኖምን መዋቕራዊ ስግግርን፣ስግግር ቴክኖሎጅን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን፣ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይን ፍርያታት ግብርና ናብ ግዲ ምስግጋርን፣ዞባዊ ምትእስሳርን ዓለም ለኸ ፅልዋታት ንግድን እዮም ኢሎም።
ኣብ መንጎ ትካላት ትምህርቲ መንግሥትን ውልቀን፣ዓውዲ ውልቀን ሲቪክ ማሕበራትን ጠንካራ ምትሕብባር ንክህሉ ብምሕታት፤ መንግሥቲ መደመር ንሓሳብን ኣተሓሳስባን ፍሉይ ቦታ ከምዝህብ እውን ኣረጋጊፆም።
ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ምትእምማን ህዝብን መንግስትን ዝሃንፅ ድልድል ኮይኑ ከምዘገልግል እውን ተዛሪቦም።