ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ቀዋሚ መቐመጢ ንከይህልዋ ምግባር ኢ-ፍትሓዊነት ዓለም ለኸ ትካላት ዘርኢ እዩ-ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ቀዋሚ መቐመጢ ንከይህልዋ ምግባር ኢ-ፍትሓዊነት ዓለም ለኸ ትካላት ዘርኢ እዩ-ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ውሕመ) ውሕመ ቀዋሚ መቐመጢ ንከይህልዋ ምግባር ኢ-ፍትሓዊነት ዓለም ለኸ ትካላት ዘንፀባርቕ ተግባር ከምዝኾነ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፆም።
መበል 10ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዥ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል መንግስትታት ብኩሎም ዓውድታት ንኣፍሪካ ግንባር ቀደም ናይ ምግባር ግቡእ ፖለቲካን ሞራልን ኣለዎ።
ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ጎንፅታት ንምርግጋዕ፣ ኣህጉራዊ ዕቤትን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካን ካልኦት ኢንሼቲቫት ሰላምን ፀጥታን ዝነኣዱ እዮም ኢሎም።
ኣፍሪካ ኣብ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ዓለም ዘለዋ እጃም ዝለዓለ ከምዝኾነ ኢና ንግንዘብ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ኣብ ታሪኽን ዓለምን ኢ-ፍትሓዊ ኣሰርራሓ ዝበፅሓ በደል ንምምላስ ትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዘይወፃሉ እዋን ዝተጣየሹ ዓለም ለኸ ትካላት እታ ኣህጉር ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ቀዋሚ መቐመጢ ንከይህልዋ ምግባሮም ግቡእ ከምዘይኮነ እውን ተዛሪቦም።
ኢ-ፍትሓዊነት ኣፍሪካ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ዝተጣየሹ ዓለም ለኸ ትካላት ንኣፍሪካ ብዙሓ ዋጋ ከምዘኽፈልዋ ብምግላፅ፤ ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣብ ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዝተጀመሩ ኢንሼቲቫት ምድጋፍ ይግባእ ኢሎም።
ውሕመ ኣፍሪካዊ ጎንፅታት ብማዕቐፍ ኣፍሪካ ንክፍትሑ ብመሪሕነት ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ ንፃዕሪ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፆም።