ውሽጣዊ ዓቕምና ዲፕሎማሲያዊ ልዕልናና ብምዕባይ ንዓለም ለኸ መሓዙትን ፈተውትን ዓብይ ምትእምማን ፈጢሩ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018 (ኢዜኣ) ውሽጣዊ ዓቕምና ዲፕሎማሲያዊ ልዕልናና ብምዕባይ ንዓለም ለኸ መሓዙትን ፈተውትን ዓብይ ምትእምማን ፈጢሩ እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ዘውፅኦ ሙሉእ መግለፂ ከምዚ ዝስእብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ውሽጣዊ ዓቕምና ዲፕሎማሲያዊ ልዕልናና ብምዕባይ ንዓለም ለኸ መሓዙትን ፈተውትን ዓብይ ምትእምማን ፈጢሩ እዩ።
ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ኢትዮጵያ መረጋገፂ ሃገራዊ ሉኣላዊነትን ዞባዊ መሪሕነትን ኮይኖም እዮም። ብፍላይ ድማ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ምኽባር ታሪኻዊ ዝተብሃሉ ዓወታት ዲፕሎማሲ እናመዝገበት እያ ትርከብ።
ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምጥንኻርን መሓዛ ኣብ ምብዛሕን መሰረት ዝገበረ ስትራቴጂካዊ ኣካይዳ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ተሰማዕነት ብምዕባይ ኣብ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወሳኒት ተዋሳኢት ንክትኸውን ኣኽኢሉዋ እዩ።



ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ልዕልና አድማስ ፅልዋ ዘበሰረ ውሽጣዊ ዓቕምና ዝፈጠሮ ዓወት ዲፕሎማሲና እዩ።
ብሪክስ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ስልታዊ ሚዛን ብምሕላዋ፣ፍልፍላት ፋይናንሳ ብምስፋሓን ኣብ ዓለም ለኸ ወሃብነት ውሳነ ዘለዋ ድምፂ ብምጥንኻራን ዝተረኸበ ውፅኢት እዩ። ብፍላይ ድማ ዓበይቲ ሓያላት ሃገራት ዓለም ንኢትዮጵያ ከም ዋና ስትራቴጂካዊ መሓዛ ናይ ምምራፅ ኩነታት ብዝለዓለ ብርኪ ምዕባዩ ዲፕሎማሲያዊ ብስለት መንግሥትን እታ ሃገር ዘለዋ ዘይትካእ ጂኦ ፖለቲካዊ ክብደትን እናዓበየ ከምዝመፀ ብግልፂ ዘርኢ እዩ።
መንግስቲ ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ (GERD) ብዝምልከት ዘርኣዮ ፅንዓትን በሊሕ ዓቕሚ ድርድርን ጉዕዞ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብርኪ እናተጉዓዘ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ መሰል ብተግባር ኣረጋጊፁ እዩ።



ዋላኳ ዝተፈላለዩ ደጋዊ ፀቕታት ተበዝሑ መንግስቲ " ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ" ብዝብል ኣምር ማሕበረሰብ ዓለም ግንዛበ ክሕዝ ምግባሩን እቲ ግድብ ብዓወት ምዝዛሙን ቀንዲ መርኣያታት ጥንካረ ዲፕሎማሲ ኮይኑ እዩ። እዚ ዓወት ሉኣላውነት እታ ሃገር ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ናይ ምምራሕን ምውዳእን ዓቕማ ንዓለም ዘርኣየትሉ ዓብዪ ፍፃመ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት መፍትሒ ብምድላይን ዞባዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር ብምምራሕን ዓንዲ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ምዃና ደጊማ ኣረጋጊፃ እያ። ብፍላይ ምሰ  ጎረባብቲ ሃገራት ብሓይሊ ኤሌክትሪክን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ምትእስሳር ዝሰርሓቶ ስራሕ መትከል "ሓበራዊ ዕብየት" ብተግባር ዘርኣየ ኮይኑ፤፡ እዙይ ድማ ንሰላምን ፖለቲካዊ ምትእስሳርን እቲ ዞባ ከም መሰረት ተወሲዱ እዩ።
ብኻልእ ወገን፣ መንግስቲ ኢኮኖሚ ዕብየት ንምቕፃል ኣፍ  ደገ ባሕሪ ምርካብ ወሳኒ ምዃኑ ብምልዓል፣ እዚ ድልየት ብሰላማዊ መገድን ብመትከል "ሂብካ ምቕባል"ን ንምስኻዕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ደፋርን ስልታውን ስጉምቲ እዩ። 



እዚ ጉዳይ ንዓመታት ተዓፊኑ ዝፀንሐ ሃገራዊ ኣጀንዳ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ፣ዞባዊ ምትሕብባር ብዘጠናኽር መልክዕ ክፍታሕ መንግስቲ ዝወሰዶ ተበግሶ ዕድል መፃኢ ወለዶ ዝውስን ብስለት ፖሊሲ እዩ። ጎና ጎና እዙይ ድማ  ዘመናዊ መድረኻት ዲጂታል ዲፕሎማሲ ብምጥቃም ስኑዓት ሓበሬታትት ብምምካትን ዓወታት ልምዓት ውሽጢ ዓዲ ንማሕበረሰብ ዓለም ተበፃሒ ብምግባርን ምስሊ ኢትዮጵያ መሊስካ ናይ ምህናፅ ስራሕ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ እናተሳለጠ ይርከብ።
ብሓፈሻ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዘሎ ኣንፈት ዲፕሎማሲ "ጠንካራ ኢትዮጵያ ንዝበልፀገ ዞባ" ዝብል ግልፂ ራእይ ዘለዎ እዩ። ዓበይቲ ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ዝፈቐዱ፤ መንግስቲ ውሽጣውን ደጋውን ፈተናታት ብብቕዓት ብምቅላስ  ብሄራዊ ረብሓታት ናይ ምኽባር ብቕዓቱ ምስ ዓለም ለኻዊ መዳርግቲ ዝለዓለ ምትእምማን ስለዝተፈጠረ እዩ።
ሃገርና ብውሽጣዊ ሪፎርምታት ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ልምዓት ምስ ዲፕሎማሲያዊ ጥንካራኣ ተደሚሩ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ተሰማዒት፣ ብዓለም ለኸ ብርኪ እውን ዘይትሕለፍ ሓይሊ ምዃና ኣመስኪራ እያ።
ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ሉኣላውነትን ጥንካረን ብምዃን ጉዕዞኣ ኣጠናኺራ ኣላ። 

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም