ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ፈረንሳይ ሓወይ ኢማኑኤል ማክሮን እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ ብደሓን መፁ እንትብል ኩሉ ግዜ ብፍሉይ ኩርዓትን ሓጎስን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ፈረንሳይ ሓወይ ኢማኑኤል ማክሮን እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ ብደሓን መፁ እንትብል ኩሉ ግዜ ብፍሉይ ኩርዓትን ሓጎስን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ፈረንሳይ ሓወይ ኢማኑኤል ማክሮን እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ ብደሓን መፁ እንትብል ኩሉ ግዜ ብፍሉይ ኩርዓትን ሓጎስን እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ዝገብርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ንዘሎ ፅኑዕ ምሕዝነት መርኣያ እዩ ኢሎም።
ኣብ ወሰንትን ውፅኢታውን ዘተታት ትኹረት ኣብ ንገብረሉ እዚ እዋን ሓደ ነገር ርግፀኛ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ምትእስሳር ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ጥራሕ ዝዘልቕ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።