ኣፍሪካ ንሽቶታት ልምዓት 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ዘድልያ ፋይናንስ ልምዓት ንምርካብ ናይ ባዕላ ትካል መመጠኒ ብርኪ ልቓሕ ንምጥያሽ ወሲና - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ንሽቶታት ልምዓት 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ዘድልያ ፋይናንስ ልምዓት ንምርካብ ናይ ባዕላ ትካል መመጠኒ ብርኪ ልቓሕ ንምጥያሽ ወሲና
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ንሽቶታት ልምዓት 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ዘድልያ ፋይናንስ ልምዓት ንምርካብ ዝተዛብዐ ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ዘጠዓዕም ናይ ባዕላ ትካል መመጠኒ ብርኪ ልቓሕ(African Rating Agency) ንምጥያሽ ከምዝወሰነት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
መበል 10ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መድረኽ ኣብ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪካ፣ ዘላቒ ልምዓት፣ ዓለም ለኸ ምምሕዳር ፋይናንስን ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ፈተናታት ኣፍሪካን ጠመተ ዝገበረ እዩ።
ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ሓዊሱ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ኣብታ ኣህጉር ዘብፅሖ ፅልዋ ንምፅዋር ዋላ ኳ ዝግበር ፃዕሪ እንተሃለወ ብሚልዮን ዝቑፀሩ ሰባት ዝሰቓይሉን ዝስደድሉን ኣፀጋሚ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ኢሎም።
እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ዘተኣማምንን ዘላቕን መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕንቅፋት እናፈጠረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ ፀጥታ ብዝዘለለ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር፣ ልምዓትን ጠንካራ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅን ምችው ኩነታት ምፍጣር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣፍሪካ ልምዓት ፋይናንስ መተሓሳሰቢ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዓለም ለኸ ምምሕዳር ፋይናንስ ሽቶታት ልምዓት 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ንምዕዋት ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ሓቢሮም።
ብፍላይ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተጣየሸን ሕዚ እውን ዘሎን ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንድሌትን ሓቅን ኣፍሪካ ምላሽ ዘይህብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ንኣፍሪካ ምስ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንምጥዕዓም ናይ ባዕላ ትካል መመጠኒ ብርኪ ልቓሕ (Africa Rating Agency) ንምጥያሽ ከምዝወሰነት ገሊፆም።
እዚ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉዳይ ብዕምቆት ክሰርሕ ብምፅናሕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሰነ 2026 ኣብ ሞሪሼስ ብዕሊ ከምዝጅመር ኣፍሊጦም።
ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሕደረ ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር፤ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዋጋ ሸቐጣት ምግቢ ወሲኹ እዩ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ድማ ዋጋ ነዳዲ ካብ 100 ክሳብ 159 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ኣብሪሆም።
ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ እቲ ሕድ ሕዳዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ብምቅርራብ ከምዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ትካላት ምሕዝነቶም ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ኣብ መንጎ እቶም ትካላት ዘሎ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ምስግጋር ይግባእ ኢሎም።