ላዕለዋይ ብርኪ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) መበል 10ይ ላዕለዋይ ብርኪ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ)ን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ኣብቲ ዘተ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ከምዝርከቡ እውን ትፅቢት ይግበር።
እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልምዓት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ምምሕዳርን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ዘሎ ምውዳድ፣ሓባራዊ ተሓታትነትን ምትሕብባርን ኣብ ልምዓት፣ምምሕዳር፣ ሰብኣዊ ደገፍን ህንፀት ሰላምን ከምኡ እውን ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ጉዳያት ዘለዎም ምትእስሳር ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘተ ክግበር እዩ።
ብተወሳኺ እውን “ካብ ፀግዕተኛነት ናብ ሉኣላዊነት” ዝተሰጋገረ ፋይናንስ ልምዓት መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ 2026 ዝኾነ ዘላቒ ቀረብ ማይን ሓለዋ ፅሬትን ከምኡ እውን ሪፎርም ዓለም ለኸ ትካላትን ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ዘለዋ ውክልናን ዝምልከቱ ጉዳያት ከምዝዝተየሎም ሕብረት ኣፍሪካ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ውፅኢታት እቲ ዘተ ኣመልኪቶም መግለፂ ክህቡ እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም