ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 4/2018(ኢዜኣ) ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።



ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 1945 ጀሚሩ መስራቲት ኣባል ውሕመ እንትትኸውን፤ ኩርዓትን መርኣያ ልኣላዊነትን ፀለምቲ ህዝብታት ብምዃን መመስረቲ ቻርተር ሳን ፍራንሲስኮ እቲ ትካል ካብ ዝፈረማ 51 ሃገራት እታ ሓንቲ እያ።
ርክብ ኢትዮጵያን ውሕመን 80 ዓመታት ዝተሳገረን ዕሙቕ ታሪኻዊ መስተጋብር ዘለዎን እዩ።
እዚ ታሪኻዊ መሰረት ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፓን ኣፍሪካኒዝምን መቐመጢት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሕመን ንክትኸውን ኣኽኢሉዋ እዩ። 
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኽ ዘለዋ ተደላይነትን ተሰማዕነትን ኣዕብይዎ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም