ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ምሕዝነት ንምስግጋር ዘለወን ቆራፅነት ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 4/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ምሕዝነት ንምስግጋር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን። 
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዘትዮም።
እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘሎ ዝፀንሐ ክልቲኣዊ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታትን ኣብ ሓባራዊ ዞባዊ ጉዳያትን ጠመተ ዝገበረ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ጠንካራ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ምሕዝነት ንምስግጋርን ዘለወን ቆራፅነት ከምዘረጋገፁ እውን ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም