ኢትዮጵያን ቆጵሮስን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ክሰርሓ እየን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ቆጵሮስን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ክሰርሓ እየን
ኣዲስ ኣበባ፤ጉንቦት 4/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቆጵሮስን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ከም ዝሰርሓ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ምክትል ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣምባሳደር ሙሌ ታረቀኝ ገሊፆም፡፡
ኣምባሳደር ሙሌ ታረቀኝ ምስ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሪፐብሊክ ቆጵሮስ ሓላፊ መምርሒ ኣፍሪካ ስቴሊዮስ ማክሪያኒስ ኣብ ክልቲኣዊ ዲፕሎማስያዊ ምትሕብባር ዘትዮም፡።
ኣብዚ እዋን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምክትል ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣምባሳደር ሙሌ ታረቀኝ፤ ናይተን ሃገራት ልኣላዊ ምትሕብባር ዘጠናኽር ምኽክር ከም ዝገበሩ ገሊፆም፡፡
እቲ መድረኽ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢትዮ-ቆጵሮስ ብምግምጋም ሓደሽቲ ኣመራፂታት ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም፡፡
ቆጵሮስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፋርማሲቲካል ዘለዋ ኢንቨስትመንት ናብ ብዝሓ ዘፈር ንምስግጋር ዝለዓለ ረብሓ ከም ዝህልዎ ኣመላኺቶም፡፡
እዘይ ድማ ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ቆጵሮስ ኣመራፅታት ልምዓት ብዝሃ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝጥቀምሉ ዕድል ዘስፍሕ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቆጵሮስን ዘሎ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብቆራፅነት ከም ዝስራሕ እውን ኣረጋጊፆም፡፡
እቲ ክልቲኣዊ መድረኽ ምኽክር ኣብ ኩለ መዳያዊ ዛዕባታት ዘሎ ምትሕብባር ዘጠናኽሩ ሓበራዊ ኣጀንዳታት ዝተትሓዘሉ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡
ቆጵሮስ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ብምህናፅ ፀቕጢ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምቕናስ ድጋፍ ንክትገብር እውን ሓቲቶም፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሪፐብሊክ ቆጵሮስ ሓላፊ መምርሒ ኣፍሪካ ስቴሊዮስ ማክሪያኒስ ብወገኖም፤ እቲ መድረኽ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝለዓለ ግደ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ኣብ ቀፃሊ እውን ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ብምዕባይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣመራፂታት ኢንቨስትመንት ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ከም ዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡