ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብዝለዓለ ኩነታት ፈፂሙ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብዝለዓለ ኩነታት ፈፂሙ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 4/2018(ኢዜኣ)፦ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብዝለዓለ ኩነታት ፈፂሙ እዩ ክብላ ፈፃሚት ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ መርሃ ግብሪ ምልላይ ሕፁያትን ጎስጓስ መረፃን ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፈፃሚት ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣዳነች ኣቤቤ፤ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኩለ መደያዊ ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሳለጠ መፅዩ እዩ ኢለን፡፡
እቲ ፓርቲ ንትማሊ ብምሕካም ንመፃኢ ድማ ጭቡጥ ዝኾነ ራእይ እናተለመ ዝመፀ ከም ዝኾነ እውን ኣመላኺተን፡።
በዙይ ድማ ኣብ ህንጸት ሃገረ መንግስቲ፣ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ህዝብታት ብግልፂ ዝርኣ ውፅኢት ከም ዘመዝገበ ተዛሪበን፡፡
ሃገር ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነ ንመፃኢ ወለዶ እውን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነጸት ከም ዝኾነት ገሊፀን፡፡
ፓርቲ ብልፅግና ንመፃኢ ወለዶ ዕዳ ዘውርስ ዘይኮነስ ፀጋ ዘውርስ ሰብ ተኮር ፓርቲ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪበን፡፡
ንፓርቲ ብልጽግና ምምራፅ ማለት ልምዓት፣ሕብረ ብሄራውነት፣ሓድነት ኩለ መደያዊ ሉኣላውነትን ምርግጋጽ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዝተመዝገቡ ኩለ መደያዊ ዓወታት ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኩለ መደያዊ ተረባሕነት ህዝቢ ብዝበለፀ ንምርግጋፅ ድምፆም ንፓርቲ ብልፅግና ንክህቡ ሓቲተን፡፡