ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሓምለዋይ ኢንዱስትርን ስግግር ሓይልን ዘለዋ ዝለዓለ እጃም ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 4/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሓምለዋይ ኢንዱስትርን ስግግር ሓይልን ዘለዋ ዝለዓለ እጃም ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶን ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮንን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ፎርዋርድ ኣፍሪካ ተሞኩሮ ኢትዮጵያ ከም ዘካፈሉ ሓቢሮም።



ብፍላይ ድማ ልምዓት ሓምለዋይ ኢንዱስትርን ስግግር ሓይልን ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ ዘተ ካብ ተሞኩሮ ኢትዮጵያ ዝተቐድሑ ላዕለዎት ሓሳባት ከምዝተልዓሉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝተልዓሉ ክልተ ዓውድታት ዝጀመረቶ ስራሕ ብምጥንኻር ዝለዓለ እጃም ምብርካታ ከም ትቕፅለሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም