ፎረም ትንበያ ኣየር ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጉንቦት /3/2018 (ኢዜኣ)፡- መበል 73 ፎረም ትንበያ ኣየር ቀርኒ ኣፍሪካ (GHACOF 73) ካብ 10 ክሳብ 11 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
እቲ ፎረም፤ “ኣገልግሎታት ፀባይ ኣየር፤ ንዘይብዳህን ዘለቂ ልምዓትን” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ኮይኑ፤ ማእኸል ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየርን መተግበርን በዓል መዚ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ICPAC) ምስ መሓዙት ልምዓት ብምዃን ዘዳልዎ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ፎረም ትንበያ ካብ ምሃብ ብዝሓለፈ እቶም ትንበያታት ናብ ተግባር ምቕያርን ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምክልኻልን ስጉምትታት ቅድመ መጠንቀቐታትን ቅድመ ምድላውን ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።
ንሓረስቶት፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን ብቐጥታ ሓበሬታ ብምሃብ ምሕጋዝ ኣብ ዝክኣለሉ ኩነታት ከም ዝመክር ኢጋድ ንኢዜኣ ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
ኣብ ሞንጎ ትካላት ብሄራዊ ሚቲዎሮሎጂ ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ካልእ ናይቲ ፎረም መዛተዪ ኣጀንዳ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ንሕርሻን ሃፍቲ ማይን ዓባይ ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ ዝኾነ ትንበያ እዋን ዝናብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ ጁን ክሳብ ሴፕቴምበር 2026 ክቐርብ እዩ።
ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ናይ ርሑቕ ስግኣት ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ኣፍ ደገና ዘሎ ጭቡጥ ሓደጋ እዩ ዝበለ ኢጋድ፤ እቲ ፎረም ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪካ እኹል ሓበሬታ ክህልዎምን ቀዲሞም ድሉዋት ክኾኑን ኣብ ምኽኣል ትኹረቱ ከም ዝገበረ ኣመላኺቱ።
ኣብቲ ፎረም፤ ሚኒስትራት፣ ትካላት ምርምር፣ ሰብኣዊ ትካላት፣ ሲቪክ ሚሕበራትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ክሳተፉ እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም