ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ንምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ኣዘራሪቦም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 30/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ንምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ኣዘራሪቦም።
እቶም ፕሬዚዳንት ብምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ንዝተመርሑ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣማኻሪ ስራሕ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
ብምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ዝተመርሑ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣማኻሪ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ኣለዉ።
ዋና ዕላማ እቲ ዑደት ኣፈፃፅማ ዘላቒ ሽቶታት ብብርኪ ኣህጉር ዘለዎ ኩነታት ንምግምጋም ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ድሕሪ ምዝታዮም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ዝነበሮም ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ሓቢሮም።



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ተመዝግቦ ዘላ ዝነኣድ ዕቤትን ምስሊ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምልዋጡን ኣዝዩ ዝተባባዕ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዕዉት ጉዕዞ ልምዓት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ እዚ ሰናይ ተሞኩሮ እውን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ቀሪቡ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ከም ዓብይ ትምህርቲ ከገልግል ዝኽእል ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣጀንዳ 2030 ንምቅልጣፍን ድሕሪ 2030 ዘሎ ዓለም ለኸ ሽቶ ልምዓት ንምሕንፃፅን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣፍሪካ ዝግበር ዘተ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።
ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ(ECA) ክላቨር ጋቴቴ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ዓለም ለኸ ልምዓት ፋይናንስ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ቁልፊ እጃም ኣለዋ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረአ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ለውጥን ዕቤትን እቲ ጉጅለ ልኡኽ ከምዘደመሞ እውን ተዛሪቦም።
ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት እውን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴን ዘለዎም ናእዳን ምስጋናን ኣቕሪቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም