ትካላት ሚድያ ነፃነትን ሕግን ኣጣሚሮም ክሰርሑ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ትካላት ሚድያ ነፃነትን ሕግን ኣጣሚሮም ክሰርሑ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 30/2018 (ኢዜኣ) ትካላት ሚድያ ነፃነትን ሕግን ኣጣሚሮም ክሰርሑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ “ፀብለልታ ሚድያ ንህንፀት ተረኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ትካላት ሚድያ ተኻይዱ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብ ፅባሕ እቲ ለውጢ ብምኽንያት ሞይኦም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ምፍታሕ ቀዳማይ ስጉምቲ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣሰርቲ ሕግታት ብፍላይ ድማ እቲ ሕጊ ፀረ ግብረ ራዕዲ ንምዝራብ ዕድል ዝህብ ከምዘይነበረን እዚ ድማ ንክመሓየሽ ከምዝተገበረን ሓቢሮም።
ኣብቲ ሪፎርም ዝነበረ ሚድያ ምኽፋትን ኩሉ ሓሳብ ብዘይ ከልካሊ ንክንሸራሸር ምግባርን ቀሊል ከምዘይነበረ እውን ተዛሪቦም።
ምኽፋት እቲ ሚድያ ስዒቡ ነፃነት ምምሕዳር ዝኣበዮም ሚድያታት ከምዝነበሩ ድማ ፀሪሖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሚድያታት እንታይ ክመስሉ ከምዘለዎም ንዝተሓተትዎ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ሚድያታት ሓቂ ዝገልፁን ሓባራዊ ምርድዳእ ዝፈጥሩን ክኾኑ ኣለዎም ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ብዘተ ዝኣምኑን ሃገራዊ ሽቶታት ፈሊጦም ዝሰርሑን ክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣብራህሪሆም።
ኣብ ምምሕዳር ነፃነትን ብሕግን ስርዓትን ናይ ምስራሕ ልምምድን ብርክት ዝበሉ ፀገማት ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ርእሰ ጉዳይ ምሻጥ ሓደ ስንክሳር ሚድያ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ነፃነትን ሕግን ኣጣሚርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።