ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዋንነት፣ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ ስራሕ እናሳለጠ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 30/2018 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዋንነት፣ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ ስራሕ እናሳለጠ ከምዝኾነ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዮናስ ኣዳዬ(ዶ/ር) ገሊጾም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሎም ምስ ዝመፁ ኣባላት ህዝባዊ ትካል ኣምሓራ ፋኖ ንሰለስተ መዓልትታት ዝገበሮ ምኽክረ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
እቲ መግለፂ ዝሃቡ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዮናስ ኣዳዬ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እናተሰርሐ እዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበሩን ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉን ኣካላት ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝሳተፍሉ ዕድል ከምዝተመቻቸወ እውን ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉ ነበር ዕጡቓት እቲ ክልል ኣለውኒ ዝብልዎም ኣጀንዳታት ብምውዳድ ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ከምዘረከቡ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልትታት ዕዉት ምኽክር ከምዝተኻየደ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ካልኦት ወገናት ተመሳሳሊ ከይዲ ምኽክር ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብቅዋም ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሉ ኣካል በዓል ዋና እቲ ምኽክር ንክኾኑ ምግባር ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም