ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ መንጎ መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝብን ውልቀን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ ባህሊ እናማዕበለ መፂኡ እዩ-ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ - ኢዜአ ትግርኛ
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ መንጎ መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝብን ውልቀን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ ባህሊ እናማዕበለ መፂኡ እዩ-ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 29/2018(ኢዜኣ) ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ መንጎ መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝብን ውልቀን ኣብ ሰላም፣ ልምዓት፣ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ሃገር ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ ባህሊ እናማዕበለ ከም ዝመፀ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ “ፀብለልታ ሚድያ ንህንፀት ተረኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ተኻይዱ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን፤ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት መንግስቲ ሪፎርም ካብ ዝገበሮም ዋና ዋና ጉዳያት ዓውዲ ሚድያ እቲ ሓደ ከምዝነበረ ሓቢረን።
ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ትካላት ሚድያ ዝተፈላለዩ ስምብራታት ከምዝነበርዎም ብምሕባር፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ምህዳር ሚድያ ንምስፋሕ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ኣረዲአን።
እቲ ሪፎርም ሚድያ ምህዳር ሚድያ ኢትዮጵያ ብሞያዊ ስነ ምግባርን ዲሞክራሲያዊ ኣወዳድባን ንምቕራፅ ዓብይ መሰረት ከምዘንበረ እውን ተዛሪበን።
እቲ ሪፎርም ስዒቡ ዝጭበጡ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ብምግላፅ፤ ስርዓት ቁፅፅር ሕድ ሕዳዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ምፍጣር፣ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾነ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ምጥያሽ ከምኡ እውን ምብዛሕ ማሕበራት ሞያ ከም ኣብነት ኣብራህሪሀን።
እቲ ለውጢ ኣብ ዓውዲ ሚድያ ብርክት ዝበሉ ትሩፋታት ከምዘምፀአ ዝገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ መንግሥቲ ብዝሃቦ ትኹረትን ብዝገበሮ ደገፍን ዓቕሚ ትካላት ሚድያ ከምዝዓበየ ሓቢረን።
ስለ ዝኾነ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሰላም፣ ልምዓት፣ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ሃገር ተቐራሪቦም ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ ባህሎም እናማዕበለ ከምዝመፀ ኣረዲአን።
ይኹን እምበር ሕዚ እውን ፀገማት ኣሉታዊ ፅልዋ ዲጂታል፣ምትሕውዋስ ጋዜጠኝነትን ኣክቲቪስትነትን ከምኡ እውን ፀገም ካብ ብሄራዊ ረብሓ ብተፃራሪ ጠጠው ምባል ከምዝረኣዩ ገሊፀን።
ስለ ዝኾነ እውን ኣብ ቀፃሊ እቲ ሪፎርም ሚድያ ብምስፋሕ ብፍላይ ኣብ ዲጂታል ሚድያ ዝረኣዩ ነፃነት ምስ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዝተናበበ መልክዑ ናይ ዘይምጥቃም ፀገማት ንምትራፍ ከም ዝስራሕ ኣረጋጊፀን።
ምስፋሕ ትግበራ ትኹረትን ሞያዊ ዓቕምን እውን ኣንፈታት ትኹረት ከምዝኾኑ ተዛሪበን።