መራኸብቲ ሓፋሽ ሓባራዊ መንነት ዝሃንፁን ንሃገራዊ ሽቶታት ብቆራፅነት ዝሰርሑን ክኾኑ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መራኸብቲ ሓፋሽ ሓባራዊ መንነት ዝሃንፁን ንሃገራዊ ሽቶታት ብቆራፅነት ዝሰርሑን ክኾኑ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 29/2018 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ሓባራዊ መንነት ዝሃንፁን ንሃገራዊ ሽቶታት ብቆራፅነት ዝሰርሑን ክኾኑ ኣለዎም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ናብ ዝተረኸብሉ “ፀብለልታ ሚድያ ንህንፀት ተረኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝገበሮ ሪፎርም ርኡይ ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ።
እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዓቕሚ ዓውዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምዕባይን ነፃን ዘይሻራውን ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ንምፍጣርን ብምኽንያት ሞይኦም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ምፍታሕ ናይ መጀመርያ ስጉምቱ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ብምኽንያት ሞይኦም ተዓፅዮም ዝፀንሑን ናብ ሃገሮም ኣትዮም ንከይሰርሑ ዝተኸልከሉን መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ናብ ሃገሮም ኣትዮም ንክሰርሑ ከም ዝተፈቐደሎም እውን ኣብራህሪሆም።
ብተወሳኺ እውን በቲ ሪፎርም መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ወፃኢ ኮይኖም ዝፅብፅቡ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝጥለፍሉ(ጃም ዝግበርሉ) ዝነበረ ኣሰራርሓ ንክተርፍ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ በቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲ ሓዊሱ ካልኦት ኣሰርቲ ሕግታት ምምሕያሽ ከምዝተገበረሎም ኣረዲኦም።
ይኹን እምበር ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ እንትኽፈት ናብቲ ሞያ ንምእታው ዝተፀግሙን ነፃነቶም ምምሕዳር ዘይኸኣሉን ሰብ ሞያ ብምፍጣሮም ነቲ ዓውዲ ፈተና ኮይኑ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዓውዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ፀገማት ዋላ ኳ ሙሉእ ብሙሉእ ተዘይተፈትሑ ዝነኣዱ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ሓቂ ዝፅብፅቡ ክኾኑ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ሓባራዊ መንነት ዝሃንፁን ንሃገራዊ ሽቶታት ብቆራፅነት ዝሰርሑን ክኾኑ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብ ሃይማኖት፣ ፖለቲካን ካልኦት ዓውድታትን ፅንፈኝነት ተሪፉ ሚዛናዊነት ክነግስ ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ እኹል ፅልኣት፣ ምንዕዓቕን ምክፍፋልን ተነዚሑ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሕዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሓድነትን ዝተሰሓሓቱ ተረኻት ኣብ ምቕናዕን ትኹረት ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዕላማ፣ ምልከታን ሞያዊ ብቕዓትን ፀብፃብ መሰረት ገይሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።