ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ምህዳር ሚድያ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንምቕራፅ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ንህንፀት ሃገር ዝሕግዝ መሰረት ኣንቢሩ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 29/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ምህዳር ሚድያ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንምቕራፅ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ንህንፀት ሃገር ዝሕግዝ መሰረት ኣንቢሩ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ “ፀብለልታ ሚድያ ንህንፀት ተረኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ተኻይዱ።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ፀብለልታ ሚድያ ንህንፀት ተረኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተዳለወን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓውድን ትካላትን ሚድያ ዝተመዝገቡ ዓወታት ዝቐረበሉን መድረኽ ምኽክር ተረኺቦም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ሓቢሮም። 
ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ምህዳር ሚድያ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንምቕራፅ ብዝወሰድናዮ ስጉምቲ ንህንፀት ሃገር ዝሕግዝ መሰረት ኣንቢሩ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።



እዚ ውፅኢት ንክቕፅል እውን ሚድያታት ካብ ፅንፈኝነት ወፂኦም ኣብ ሓቂ መሰረት ዝገበረ ተረኽ ብምህናፅ ንሓባራዊ መንነትን ብሄራዊ ምርድዳእን ብቆራፅነት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ሚድያታትና ብሰብ ስራሕ ብልሕን ብመፅናዕትን ዝተደገፈ ትንተና ብምቕራብ ካብ መሸጣ ኣርእስቲ ብዝዘለለ ንሃገራዊ ኣጀንዳታት ትኹረት ክህቡ ኣለዎም ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ስርሖም እውን ኣብ ዕላማ፣ምልከታ፣ ሞያዊ ብቕዓትን ንህዝቢ ቀረባ ኣብ ምዃንን መሰረት ብምግባር ሚዛናዊነት ብዝሓለወ መልክዑ ንብልፅግና ሃገር መንገዲ ፀራግን ፈታሕቲ ፀገምን ኮይኖም ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም