ኢዜኣ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ኣብ ዓውዲ ሚድያ ብዝገበሮ ሪፎርም ዳግማይ ክውለድ ክኢሉ እዩ-ኣይተ ሰይፈ ደርቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢዜኣ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ኣብ ዓውዲ ሚድያ ብዝገበሮ ሪፎርም ዳግማይ ክውለድ ክኢሉ እዩ-ኣይተ ሰይፈ ደርቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 29/2018 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ኣብ ዓውዲ ሚድያ ብዝገበሮ ሪፎርም ዳግማይ ተወሊዱ እዩ ምባል ይከኣል ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ “ፀብለልታ ሚድያ ንህንፀት ተረኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን፤ ኢዜኣ ካብ ምስረትኡ ብዘይነኣኣስ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ኣብ ዓውዲ ሚድያ ብዝገበሮ ሪፎርም ምኽንያት ዳግማይ ተወሊዱ ምባል ይከኣል ኢሎም።
እቲ ዝተሳለጠ ሪፎርም ኣተሓሳስባ፣ሕጊ፣ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ኢዜኣ ኣብ ኣፍሪካ ዘተኣማምንን ፅልዋ ፈጣርን ፍልፍል ሚድያ ብምዃን ብሄራዊ ረብሓ ምሕላውን ብሄራዊ ምርድዳ ምፍጣርን ዘኽእል ዓቕሚ ንክላበስ ኣኽኢሉዎ እዩ ክብሉ እው ተዛሪቦም።
እቲ ትካል ተበፃሕነቱ ብምስፋሕ ብቴክኖሎጂ ተወዲቡ ካብ ኢትዮጵያ ተሳጊሩ ድምፂ ኣፍሪካ ብምዃን ሓባራዊ ተረኽ እናሃነፀ ከምዝርከብ ምግላፆም እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።