እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ትካላት ሚድያ ዝነበርዎም ዝተፈላለዩ ስምብራታት ንምሕካም ዕሙቕ ዝኾነ ሪፎርም ገይሩ እዩ-ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ትካላት ሚድያ ዝነበርዎም ዝተፈላለዩ ስምብራታት ንምሕካም ዕሙቕ ዝኾነ ሪፎርም ገይሩ እዩ-ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 29/2018 (ኢዜኣ) እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ትካላት ሚድያ ዝነበርዎም ዝተፈላለዩ ስምብራታት ንምሕካም ዕሙቕ ዝኾነ ሪፎርም ከምዝገበረ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ገሊጸን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ “ፀብለልታ ሚድያ ንህንፀት ተረኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን፤ ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ትካላት ሚድያ ዝተፈላለዩ ስምብራታት ከምዝነበርዎም ሓቢረን።
ካብዞም ስምብራታት እቶም ውሑዳት ድማ ስምብራታት ፖሊሲን ማዕቐፍን፣ኣወዳድባ መዋቕር፣ትካላውን ትኽክለኛን ሞያዊ ስነ ምግባር ከም ዝርከብዎም ኣረዲአን።
እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ እዞም ስምብራታት ንምሕካም ዕሙቕ ዝኾነ ሪፎርማት ሚድያ ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ እቲ ሪፎርም ካብ ዘዐወቶም ለውጥታት ድማ ምጥያሽ ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ዝኾነ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ስርዓት ቁፅፅር ሕድ ሕዳዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ምፍጣር ከምኡ እውን ዓርሱ ንዓርሱ ንክቆፃፀር ዘኽእሉ ማሕበራት ሞያ ምብዛሕ እቶም ዋና ዋና እዮም ኢለን።
እዞም ሪፎርማት ትኽክለኛ ውሳነታት ከምዝኾኑ በዞም ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ ኣሃዛዊ ዓወታት ከምዝተዓጀቡ እውን ኣብራህሪሀን።
- ቁፅሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድሚ እቲ ለውጢ ካብ ዝነበርዎ 122 ናብ 310፤
- ጣብያታት ሬድዮ ቅድሚ እቲ ለውጢ ካብ ዝነበርዎ 52 ናብ 126፤
- ጣብያታት ቴሌቪዥን ቅድሚ እቲ ለውጢ ካብ ዝነበርዎ 25 ናብ 128፤
- ተበፃሕነት ቋንቋ መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድሚ እቲ ለውጢ ካብ ዝነበርዎ 39 ናብ 60 ከምዝዓበዩን 35 ሚድያታት ወፃእን 50 ሚድያታት ማሕበረሰብን ከምዝተፈጠሩን ብምግላፅ፤ እዘኣቶም ድማ ምህዳር ሚድያ ኢትዮጵያ ሓቛፍነት ብምፍጣር ንዘመዝገቦ ዓወት መርኣያታት ከምዝኾኑ ምግላፀን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመላኺቱ።