መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣቪዬሽን ንኣፍሪካ ምስ ዝተረፈ ዓለም ኣብ ምትእስሳር ግንባር ቀደም ግደ እናፃወተ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 29/2018 (ኢዜኣ)፦ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣቪዬሽን ንኣፍሪካ ምስ ዝተረፈ ዓለም ኣብ ምትእስሳር ግንባር ቀደም ግደ እናፃወተ ከም ዝኾነ ሓላፊ መገዲ ኣየር ኤርባስ ኣፍሪካ ገሊጾም፡፡ 
መገዲ ኣየር ኢትየጵያ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንዕዳጋ ዓለም ብምብፃሕ ንግድን ኢንቨስትመንትን እናቃላጠፈ ከም ዝኾነ ድማ ፕሬዝዳንት ማሕበር ኣፍረይትን ለኣኽትን ስጋ ኢትዮጵያ ከሊፋ ሁሴን ተዛሪቦም።
ዳይሬክተር ማርኬቲንግ መገዲ ኣየር ኤርባስ ኣፍሪካ ዩፕ ኢለርስ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ዓውዲ ኣቪዬሽን ምትእስሳር ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምቅልጣፍ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ዓውዲ እዩ።



መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 80 ዓመታት ኣገልግሎት በረራኡ ንኣፍሪካ ምስ ዝተረፈ ዓለም ኣብ ምትእስሳር ዝርከብ ነባር ኣህጉራዊ ትካል ምዃኑ ገሊፆም፡፡ 
ብፍላይ ፍርያትን ኣገልግሎትን ኣፍሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብምልላይ ንግድን ኢንቨስትመንት እናበረታተዐ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ 
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦ መስተንግዶ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ዝንኣድ ከም ዝኾነ እውን ኣረጋጊጾም፡፡ 
ካብ ኣገልግሎት በረራ ብተወሳኺ ብፅገና ኣውሮፕላን፣ ትምህርትን ስልጠናን ዕብየት ዓውዲ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዘሳልጥ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም፡፡ 
ኣብ ቀፃሊ እውን ኤርባስ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ስልጠና ኣቪዬሽን ብሓባር ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጦም፡፡ 
ፕሬዝዳንት ማሕበር ኣፍረይትን ለኣኽትን ስጋ ኢትዮጵያ ከሊፋ ሁሴን ብወገኖም፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ምልክት ኣፍሪካ እዩ ኢሎም፡፡ 



እቲ መገዲ ኣየር ኣድማስ በረራኡ እናስፈሐ ብምምጻእ ፍርያትን ኣገልግሎትን ንዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን እናጠናኸረ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም