ኣገልግሎት ኣሰራርሓ ዲጂታል ዘመናውናት ብጭቡጥ እናረጋገፀ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ኣሰራርሓ ዲጂታል ዘመናውናት ብጭቡጥ እናረጋገፀ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /29/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣገልግሎት ኣሰራርሓ ዲጃታል ብልሹው ኣሰራርሓ ኣብ ምክልኻልን መፍራያይነት ኣብ ምዕባይን ዝለዓለ ግደ እናበርከተ ከም ዝኾነ ቢሮ ልምዓት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ቴክኖሎጂ ንዘላቒ ዕብየት ከም መበገሲ ብምጥቃም ፍሉይ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ ትርከብ፡፡
በዙይ ድማ እቲ ኢኮኖሚ ዘሳልጡ ስራሕቲ ዓውዲ ዲጂታል ብዕዉት መልክዑ እናተሳለጡ እዮም፡፡
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቱሉ ጥላሁን (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ ቴክኖሎጂ ኣሰራርሓ ኣብ ምምዕባል፣ ብልሹው ኣሰራርሓ ኣብ ምክልኻልን ኣፍራያይነት ኣብ ምዕባይን ዝለዓለ እጃም እናበርከተ እዩ፡፡
ኣዲስ ኣበባ ስማርት ሲቲ ንምግባር ብዝተነደፈ ስትራቴጂክ ፕላን ሸሞንተ ዓመት ኣብ ኮሪደር ልምዓትን ስፍራታት መዘናግዕን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ሓቢሮም፡፡
ቀንዲ ዕላማ ህንፀት ስማርት ሲቲ እታ ከተማ ንነበርትን ኣጋይሽን ምችውትን ሰሓቢትን ምግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዙይ ዝረጋገጽ ኣገለግሎታትን መሰረተ ልምዓትን ብቴክኖሎጂ ምስ ዝድገፉ እዩ ኢሎም።
በዙይ ድማ ኣብታ ከተማ ዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ቴክኖሎጂ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 ኣብ ደቡብ ኮሪያ ሴኦል ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ውድድር ኣመራርሓ ስማርት ሲቲ ኣሸናፊት ክኾና ከም ዝገበረን ገሊፆም፡፡
እቶም ተግባራት እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ስማርት ሲቲ ኣፍሪካ ግቡእ ኣፍልጦ ክትረክብ ዝለዓለ ግደ ተፃዊቶም እዮም ኢሎም፡፡
ትካላት እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣገልግሎቶም ብዲጂታል መገዲ ንከቕርቡ እቲ ቢሮ ስርዓታት ቴክኖሎጂ ናይ ምምባል፣ ምውዳድን ድሕንነቶም ናይ ምሕላውን ስራሕቲ ምስ ትካላት ፌደራል ተሓባቢሩ እናሰርሐ ከም ዝኸነ እውን ተዛሪቦም።