ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሃገራዊ ዕቤት ዘቀላጥፉ ፍርያታት ማኑፋክቹሪንግ ብምርኣይና ኮሪዕና ኢና-ኣመራርሓን ኣባላትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሃገራዊ ዕቤት ዘቀላጥፉ ፍርያታት ማኑፋክቹሪንግ ብምርኣይና ኮሪዕና ኢና-ኣመራርሓን ኣባላትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018 (ኢዜኣ) ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሃገራዊ ዕቤት ዘቀላጥፉ ፍርያታት ማኑፋክቹሪንግ ብምርኣይና ኮሪዕና ኢና ክብሉ ኣመራርሓን ኣባላትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፆም።
ኣመራርሓን ኣባላትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያ ተፍሪ ንኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ተዓዚቦም።
ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብዚ እዋን፤ ኣብቲ ኤክስፖ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ምዕዛቦም ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታል ስርዓት ትገብሮ ጉዕዞ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩ ቴክኖሎጂታት ተዓዚብና ኢና ኢሎም።
ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ መፍረያይነት ዜጋታት ምዕባይ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት እውን መፍረያይነት ብዘላቕነት ንክረጋገፅ ኣብ ሰላም ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ፤ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ፍርያታት ካብ ወፃኢ እተእቱ ሃገር ኮይና ከምዝፀንሐት ሓቢሮም።
ይኹን እምበር ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብሃፍትን ሓይሊ ሰብን ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር፤ ኣብ ዑደቶም ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ዕቤት ከምዘላ ከምዝተዓዘቡ ኣረዲኦም።
ላዕለዋይ ፀሓፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣባ ኣብርሃም ገብረማርያም ብግደኦም፤ ኢትዮጵያውያን ፍርያት ውሽጢ ሃገር ናይ ምጥቃም ባህልና ክነዕቢ ይግባእ ኢሎም።
እዚ ወለዶ ንመፍረያይነት ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ናይ ምጥቃም ባህሉ ንከዕቢ ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ እውን ገሊፆም።
ምክትል ፕሬዚዳንት ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ታሪኩ ብርሀኑ፤ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ እተእትዎ ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ተካእቲ ፍርያታት ብሰፊሑ ምፍራይ ንኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝግበር ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ከምዝሕግዝ እውን ኣረዲኦም።