ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ብዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ ዕዳ እፎይታ ጭቡጥ ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ብዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ ዕዳ እፎይታ ጭቡጥ ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /28/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ብዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ ዕዳ እፎይታ ጭቡጥ ለውጢ ከም ዝተመዝገበ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊጸን፡፡
ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዘደለዎ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንቐፃሊ ሰለስተ መዓልትታት ዝካየድ መበል ካልኣይ ፎረም ሉኣላዊ ፋይናንስ ኣፍሪካ እናተሳለጠ ይርከብ፡፡
ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ከም ዝተዛረብኦ፤ ምምሕዳር ልቓሕ ዕዳ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ፣ ንስትራቴጂ ልምዓትን ተኣማንነት ፖሊሲን መሰረት እዩ፡፡
ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ብዝተሳለጡ ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ እፎይታ ዕዳ ጭቡጥ ለውጢ ከም ዝተምዝገበ እውን ገሊጸን፡፡
ኢትዮጰያ ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ጉጅለ 20 ብምዃን ኣብ ዓብዪ ምዕራፍ ከም ዝበጽሐት ብምግላፅ፤ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ግዘ እፎይታ ልቓሕ ረኺባ እያ ኢለን፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ኩለመደያዊ ሪፎርም ምክያዱ ናብ ዕዳጋ መሪሕ ስርዓት ሸርፊ ምስግጋር፣ ፖሊሲ ገንዘብ ምጥንኻር፣ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ፣ ኣብ ምሕደራ ዕዳ ግልጽነት ምፍጣር ከም ዘኽኣለ ተዛሪበን፡፡
ናህሪ ዋጋ ብምቕናስ፣ ኣታዊ ንግዲ ወፃእን ሸርፊ ወፃእን ብምዕባይ ጠንካራ ኢኮኖሚ ምህናጽ ከም ዝተኽኣለ ሓቢረን።
ኣብ አፍሪካ ዘላቕነት ዘለዎ ኢኮኖሚ ንምህናጽ ወጻኢ ልቓሕ ምቕናስ፣ዕዳጋጋታትን ዓቕሚ ምሕደራ ዕዳን ሃገር ውሽጥን ዞባን ምጥንኻር ከም ዝግባእ እውን ገሊፀን፡፡