ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ጄተን ብስልኪ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ጄተን ብስልኪ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ጄተን ውፅኢታዊ ዘተ ስልኪ ገይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ጄተን ውፅኢታዊ ዘተ ስልኪ ገይርና ኢሎም።
ኣብ ዘተኦም እውን ኣብ ዙርያ ክልቲኣዊ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ መንገድታት እውን ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ኣፍሊጦም።