መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ ዓመታት ብዘካየደቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዓለም ለኸ ትኹረት ዝሰሓበ ለውጢ ኣመዝጊባ እያ።
መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምብዳም መሬትን ምሽርሻር ሓመድን ኣብ ምክልኻል ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍረያይነትን ብጭቡጥ ንክውስኽ ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ ቅድሚ ሕዚ ብሄክታር ዝሕፀብ ዝነበረ 130 ቶን ሓመድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 54 ቶን ከምዝወረደ ሓቢሮም።
ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ፍርያትን መፍረያይነትን ከምዝዓበየ፣ሽፋን ደኒ ከምዝወሰኸን ምሽርሻር ሓመድ ከምዝቐነሰን ዝገለፁ እቶም ዋና መተሓባበሪ፤ ሓምለዋይ ከባብታት ብምስፍሕፋሕ ንመነባብሮ ምችው ኩነታት ከምዝተፈጠረ እውን ተዛሪቦም።
ጣብያታት ፈልሲ ብምብዛሕን ክትትል ብምጥንኻርን ፅሬትን መጠንን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝትከሉ ፈልስታት ፍራ ምረ ጭቡጥ ለውጢ ከምዝተመዝገበ እውን ኣብሪሆም።
ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ከባብያውን ረብሓታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበዩ ከምዝመፁ ብምሕባር፤ ፍርያታት ፍራ ምረ ንዕዳጋ ወፃኢ፣ኣፍረይቲ ኢንዱስትርታትን ማእኸላት ዕዳጋን ምቕራብ ዝጀመሩ ሓረስቶት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
እዞም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብዝበለፀ ንምስፋሕ እውን ስራሕ ደገፍን ክትትል ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም