ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ዝነኣድ ውፅኢት እናምዝገበ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 28/2018 (ኢዜኣ) መሬት ፆሙ ክሓድር የብሉን ብዝብል ፅኑዕ እምነት ዝተጀመረ ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ዘደምም ውፅኢት እናምዝገበ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ሱልልታ ኣብ ልዕሊ 2 ሽሕን 150 ሄክታር መሬት ዝለምዐ ሕርሻ ስርናይ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።



ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ እዋን ዑደቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መንግሥቲ ኣብ ዓውዲ ግብርና ብዝወሰዶም ስትራቴጂካዊ ስጉምትታት ዝርከቡ ዘለዉ ውፅኢታት ዝነኣዱን ንቀፀልቲ ስራሕቲ ስንቂ ዝኾኑን እዮም ኢሎም።
ልምዓት ሕርሻ ሓጋይን ስርናይ ሓጋይን ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተለመደ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም።
መሬት ፆሙ ክሓድር የብሉን፣ካብ ልመና ዓርስና ክነላቕቕ ኣለና፣ክሕረስን ክለምዕን ዝኽእል መሬት ክሕረስ ኣለዎ ብዝብል ፅኑዕ እምነት ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ከምዝተጀመረ ኣብራህሪሆም።
ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ዋላ ኳ ጅማርኡ ፈታኒ እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ዘደምም ውፅኢት እናምዝገበ ከምዝመፀ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓመታት ስርናይ ካብ ወፃኢ እተእቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ትሑት ፍርያት ምስ ዘለወን ሃገራት ትምደብ ከምዝነበረት እውን ኣረዲኦም።



ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ 4 ነጥቢ 4 ሚልዮን ሄክታር መሬት፣ኣብዚ ሓጋይ ድማ 3 ነጥቢ 8 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብሓፈሻ ልዕሊ 8 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብስርናይ ከምዝለምዐ ገሊፆም።
ብሓፈሻ ልዕሊ 330 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ስርናይ ከምዝተረኸበን እዚ ድማ ኢትዮጵያ ስርናይ ብምፍራይ ኣብ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም ንክትኸውን ዘኽእላ ከምዝኾነን ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሕርሻ ክረምትን ሓጋይን 280 ኩንታል ፍርያት ስርናይ ከምዝተረኸበ ብምዝኽኻር፤ ፍርያት እዚ ዓመት ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 50 ሚልዮን ኩንታል ወሰኽ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
እቲ ዝተረኸበ ልዑል ኣፈላላይ ፍርያት ካብ ዝተርኣየሎም ከባብታት እቲ ሓደ ሰሜን ሸዋ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዘይሕረስ መሬት ብምሕራስ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ መፍረያይነት ስርናይ ከምዝዓበየ ተዛሪቦም።



እቲ ልምዓት ስርናይ ሩባታት ብምጥላፍን ዝናብ ክረምቲ ብምዕቛርን ከምዝተሳለጠ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን መፍረያይነት ንምስፋሕ ኣብቲ ዞባ ብፍሉይ ትኹረት ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ካልኦት ዓውድታት ውፅኢታዊ፣ዝነኣድን መዋፅእን ኮይኑ ከምዝተረኸበ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ምዕባይ ዓቕሙ ሰፊሕ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ብሓፈሻ እቲ ዝተርኣየ ስራሕ ኢትዮጵያ ዓብይ ተስፋ ከምዘለዋን እታ እንሓልማ ሃገር ምፍጣር ዘኽእል መሰረት ብኣግባቡ እናተነፀፈ ከምዝኾነን ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኩሎም መዓልትታትን ወቕትታትን ክንጥቀመሎም ኣለና፤ ንምፍራይ፣ንምስራሕ፣ንምልፋዕ፣ንምብላዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሕጋዝ እውን ክንጥቀመሎም ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ከይዲ ስራሕን ልምዓትን ዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ክንሳገሮም ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኩሉ ዜጋ ብትግሃት ንክሰርሕ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም