ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ነበርቲ ኣብ ምርግጋፅ ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኦም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018(ኢዜኣ) ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ነበርቲ ኣብ ምርግጋፅ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ንምርግጋፅ ብድሌቶም ተወዲቦም ንዝሰልጠኑ ወገናት መስርሒ ቦታ ኣረኪበን።



እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነበርቲ ብፍትሓዊ ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ዝገብሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ብምሕንፃፅ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ብምግባር ጭቡጥ ውፅኢት ምምፃእ ተኻኢሉ እዩ ኢለን።
ሎሚ መዓልቲ እውን ብሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ዝተሃነፁ ብርክት ዝበሉ መስርሒ ቦታታት ንተጠቀምቲ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።
ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ብድሌቶም ተወዲቦም ንዝሰልጠኑ 1 ሽሕን 278 ኢንተርፕራይዛትን 3 ሽሕን 889 መንቀሳቐስትን ሼዳትን መስርሒ ቦታን ከምዝተውሃቡ ኣፍሊጠን።



ኩሉ ዜጋ ተጊሁ ብምስራሕን ድኽነት ብምትራፍን ዘላቒ ዕቤት ሃገር ከቀላጥፍ ይግባእ ኢለን።
እቶም መስርሒ ቦታ ዝተውሃቦም ዜጋታት እውን ንዓርሶም ብምልዋጥ መርኣያነት ዓወት ብተግባር ብምርግጋፅ ዓቕሚ ዕቤት ኢኮኖሚ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣረዲአን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም