ኣብቶም ዓመታት ለውጢ መሰረተ ልምዓታት መፈልፈሊ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕን ብምምዕባልን ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ምምሕያሽ ተኻኢሉ እዩ-ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018(ኢዜኣ) ኣብቶም ዓመታት ለውጢ መሰረተ ልምዓታት መፈልፈሊ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕን ብምምዕባልን ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ምምሕያሽ ከምዝተኽኣለ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኮርፖሬት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ገሊፆም።
ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኮርፖሬት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዕቤት ከተማታት፣ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪታትን ዲጂታል ስግግርን ተኣሳሲሩ ድሌት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ እዚ ዘበን ዝሓቶ ሓይሊ ብምቕራብ ድሌት ዜጋታት ንምዕጋብ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ምምዕባልን ኣሳሊጡ እዩ ኢሎም።
መንግሥቲ ኣብቶም ዓመታት ለውጢ ዝተማልአ ኣገልግሎት ንምሃብ ጣብያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ምስፍሕፋሕን ምምዕባልን፣መስመራት መተሓላለፊ ሓይሊ ምህናፅን ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።
ስራሕቲ ህንፀትን ምስፍሕፋሕን ጣብያታት መፈለፈሊ ሓይልን መተሓላለፍቲ መስመራትን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምግላፅ፤ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ዝፍፀም ስርቂ ምክልኻል ካብ ኩሎም ኣካላት ትፅቢት ከምዝግበር ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም