ኢትዮጵያ ኣብ ምፅዋር ለውጢ ኩነታት ኣየርን ምዝማን ዓውዲ ሚቲዎሮሎጂን ዘሳለጠቶም ተግባራት መርኣያ ዝኾኑ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /28/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ምፅዋር ለውጢ ኩነታት ኣየርን ምዝማን ዓውዲ ሚቲዎሮሎጂን ዘሳለጠቶም ዕዉታት ስራሕቲ ዓቕሚ ኣፍሪካ ዘዕብዩ ከም ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፀኡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊፆም፡፡
ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ምስ ሶሳይቲ ሜቲዎሮሎጂ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ፈላማይ ኮንፈረንስ ሳይንቲፊክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ከም ዝገለፅዎ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ኣብ ሚቲዎሮሎጂ ከምኡ እውን ኣብ ዙሪያ ምልከታ ሃይድሮሎጂ ብሓባር ምስራሕ ወሳኒ እዩ፡፡ 
እዙይ ድማ ሓደጋታት ተፈጥሮ ከይተፈጠሩ ኣቐዲምካ ጥንቃቐ ንምግባር ዘኽእሉ ስልትታት ቅድመ ጥንቓቓ ንምሕያል ከም ዝሕግዝ ኣመላኺቶም፡፡ 
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ንዘሳለጠቶም ኢንቨስትመንታት መሰረተ ልምዓትን ቴክኖሎጂን ዘለዎም ናእዳ ብምግላጽ፤ እቶም ኢንቨስትመንት ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ንምትእስሳርን ዓቕሚ ተፀዋርነት ንምህናፅን ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎም ገሊፆም፡፡ 
ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ምስፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይልን ካልኦትን ለውጢ ኩነታት ኣየር ምጽዋር ዘኽእሉ ተግባራትን ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ቆራፅነት መንግስቲ ብተግባር ዘመላኽቱ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም