ሉኣላዊነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ብዝለዓለ ውፅኢት እናቐፀለ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሉኣላዊነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ብዝለዓለ ውፅኢት እናቐፀለ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018 (ኢዜኣ) ሉኣላዊነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ብዝለዓለ ውፅኢት እናቐፀለ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሸሜን ሸዋ ወረዳ ሱልልታ ኣብ ልዕሊ 2,150 ሄክታር መሬት ዝለምዐ ሕርሻ ስርናይ ተዘዋዊርና ተዓዚብና ኢሎም።
ሉኣላዊነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ብዝለዓለ ውፅኢት እናቐፀለ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።