ኣብ ከተማ ባህር ዳር ፀጋ ናብ በረከት ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝም እናተሃነፁ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ባህር ዳር ፀጋ ናብ በረከት ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝም እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ከተማ ብህር ዳር ብ3 ነጥቢ 3 ቢልዮን ብር ዝህነፅ ህንፀት ፕሮጀክት ሆቴል ፎር ፖይንትስ ባይ ሸራተን ጣና ኣጀሚሮም።
ኣብ ታሪኻዊ ሆቴል ጣና ኣብ ዘለዎ ስፍራ ብኢንቨስትመንት ሚድሮክ ዝህነፅ እዚ ዓለም ለኸ ሆቴል ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ተሃኒፁ ከምዝዛዘም ተገሊፁ።



እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ንልዕልና መባፅሒ ቱሪዝም ከተማ ባህር ዳርን ሃገርናን ከምኡ እውን ኢኮኖሚ ንምንቕቓሕ ዓብይ ብስራት እዩ።
ግሩፕ ኢንቨስትመንት ሚድሮክ ኣብ ሕርሻ፣መዓድንን ካልኦት ዓውድታትን ዘመዝግቦ ዝነኣድ ዓወት ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብተግባር ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ኣብ ከተማ ባህር ዳር ህንፀቱ ዝተጀመረ እዚ ሆቴል እንትዛዘም ፀጋ ናብ በረኸት ብምቕያር ኢትዮጵያ ነዚ ዘበን ዝምጥንን ዘላቕን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኸውን ሓቢሮም።



ኣብ ከተማ ባህር ዳር ፀጋ ናብ በረከት ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ቱሪዝም እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ መንግሥቲ መባፅሒ ቱሪዝም ኢትዮጵያን ከተማታታን ዘዕብዩ ወለዶ ተሳገርቲ ፕሮጀክትታት ንክዕወቱ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም።
ፕሮጀክት ፎር ፖይንትስ ባይ ሸራተን ጣና ሆቴል ብቕልጡፍ ብምዝዛም ንኣገልግሎት ንምብቃዕ ምትጋህ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም