መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብAPEX መረፃ መገደኛታት ተዓዋቲ ሽልማት ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2026 ኮይኑ - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብAPEX መረፃ መገደኛታት ተዓዋቲ ሽልማት ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2026 ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ/ 26/2018 (ኢዜኣ)፦ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብAPEX መረፃ መገደኛታት ተዓዋቲ ሽልማት ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2026 ኮይኑ፡፡
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብAPEX መረፃ መንገደኛታት ሽልማት ብሉፅ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ 2026 (Best Airline in Africa) ብምዕዋት መሪሕነት ኣቪዬሽን ኣረጋጊፁ፡፡
እቲ ሽልማት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝገበሮም በረራታት ዝተሳለጠ፣ ምችውን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ንምሃብ ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኢ እንትኸውን፤ እቲ ሽልማት ሙሉእ ንሙሉእ ብሓቃዊ ተሞክሮ መንገደኛታት ካብ ዝተውሃበ ድምፂ ዝተረኽበ እዩ፡፡
እቲ መንገዲ ኣየር 'ራእይ 2040' ኣብ ዝተሰየመ ስትራቴጂክ ትልሙ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ቀዳሞት 20 ግሩፓት ኣቪዬሽን እቲ ሓደ ንምዃን እናሰርሐ እንትኸውን፤ ኣብ ቶጎ፣ ማላዊ፣ ዛምቢያን ኮንጎን ምስ ዝርከቡ መንገዲ ኣየራት ብምትሕብባር ስትራቴጂ ብዙሓት ማእኸላት (multi-hub) ኣብ ምትግባር ከም ዝርከብ እውን ተገሊፁ፡፡