ምርካብ ምላሽ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ዞባዊ ድሕንነት ንምርግጋፅን ንሓባራዊ ዕቤትን ወሳኒ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2018(ኢዜኣ) ምርካብ ምላሽ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ምብራቕ ኣፍሪካ፣ሓባራዊ ተረባሕነትን ድሕንነት እቲ ዞባ ንምጥንኻርን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ሙሁራን ተዛሪቦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማርን ምጣነ ሃፍቲ ዱጋሳ ሙሉጌታ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገድታት ተኸቲላ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝተባባዕ እዩ።



ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንምንቅስቓስ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ከምኡ እውን ንማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ፣ሕጋዊ፣ታሪኻውን መልክኣ ምድራውን ሓቅነት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳር ብምጥንኻር ኣብ ቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረን ንዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ልምዓትን ሃገራት እቲ ዞባ ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማርን ሃፍቲ ማይ ሲሳይ ደመቁ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ በሪ ባሕሪ ካብ ዝውውር ሸቐጣት ብዝዘለለ ዋሕዚ ሓሳብ፣ቴክኖሎጅን ቱሪዝም ኣብ ምስላጥ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ኣብራህሪሆም።



ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ምብራቕ ኣፍሪካ፣ዕቤት ኢኮኖምን ቴክኖሎጅን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ምርካብ ምላሽ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወፃኢ ሎጂስቲክስ ብምቕናስ ጎና ጎኒ ምዕባይ ተወዳዳሪነት ንግዲ ወጻእን ኣታውን ድሕንነት እቲ ዞባ ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም