ዝፈጥሩ ኣእምሮን ዝሰርሑ ኣእዳውን ቀንዲ ዓምድታት ህንፀት ሃገር እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝፈጥሩ ኣእምሮን ዝሰርሑ ኣእዳውን ቀንዲ ዓምድታት ህንፀት ሃገር እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ /26/2018 (ኢዜኣ)፦ ዝፈጥሩ ኣእምሮን ዝሰርሑ ኣእዳውን ቀንዲ ዓምድታት ህንፀት ሃገር እዮም ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
ቢሮ ስራሕን ክእለትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘደለዎ መበል 16 ቅነ ቴክኒክን ሞያን "ብሉፅነት ቴክኖሎጂ ንብልፅግና ሃገር" ብዝብል ቴማ ኣብ ፓርክ ኣራዳ ተኸፊቱ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን፤ ቅድሚ ውሑዳት መዓልትታት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕብረት ኣፍሪካ መራሒ (Champion) ሰብ ስራሕ ብልሒ (Artificial Intelligence)ን ዓውዲ ዲጂታል ጥዕናን ኮይኖም ምሻሞም ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘርኣየቶ ፀብለልታ ዘመላኽት ከም ዝኾነ ሓቢረን።
ሃገር ብዝፈጥሩ ኣእምሮን ዝሰርሑ ኣእዳውን እያ ትህነፅ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ነዙይ እውን ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን የሳልጥዎ ንዘለዉ ተግባራት ኣፍልጦ ምሃብ ከም ዝግባእ ተዛሪበን፡፡
ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ተስፋ ዝህብ ከም ዝኾነ ኣመላኺተን፡፡
ዓውዲ ሞያን ቴክኒክን ንዕብየት ኢኮኖሚ ሃገርን ስግግር ኢንዱስትሪን መሰረት ዘንፅፍ ከም ዝኾነ እውን ገሊፀን፡፡
ቅድም ኢሉ ካብ ወፃኢ ሃገራት ብዝለዓለ ሸርፊ ወፃኢ ዝኣትዉ ዝነብሩ ፍርያታት ብትካላት ቴክኒክን ሞያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ እናፈረዩ ከም ዝኾኑ ሓቢረን፡፡
እቶም ፍርያታት ብውሽጢ ሃገር ካብ ምትካእ ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ብምግባር ናብ ወፃኢ ኣብ ምልኣኽ ትኩረት ክግበር ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲበን፡፡
ብፍላይ ኣብታ ከተማ ይሳለጡ ኣብ ዘለዉ ዓበይቲ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ፍልጠቶምን ክእለቶምን ብተግባር እናተርኣየ ከም ዝኾነ ገሊፀን፡፡
እቲ ከይዲ ሃገርና ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ደው ከም ትብል ዓብዪ መርኣያ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ ስራሕቲ ምህዞ ንምስፍሕፋሕ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፀን፡፡