ብምፍራይ ክብርናን ነፃነትናን ብምኽባር ዕቤት ክነምፅእ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

‎ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያውያን ብምፍራይ ክብርናን ነፃነትናን ብምኽባር ዕቤት ክነምፅእ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 25 ክሳብ 30 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኤክስፖ ‘ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ’ መሪቖም ከፊቶም።
ኣብቲ ንራብዓይ ግዜ “ኢትዮጵያ ተፍሪ ንኩለ መዳያዊ ልኣላዊነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንፈረስ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ ኤክስፖ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴዎድሮስ ምህረት፣ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መግስትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።



ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ምፍራይ ልኣላዊነት የጎናፅፍ፣ ዘይምፍራይ ድማ ታሪኽ የበላሹ።
ኢትዮጵያ ፀጋታታ ኣልሚዓ ብዘይምጥቃማ ብምኽንያት እዋናዊ ኩነታት ዓለም ፈተና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረ ከም ኣብነት ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ምፍራይ ዝተማልአ ልኣላዊነት ዘረጋግፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
መብዛሕቲኡ ድሌታ ኣብ ፍርያት ኣታዊ ዝገበረት ሃገር ነፃን ሉኣላውን እየ ክትብል ከምዘይትኽእል ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ኣፍርያ ዝተማልአ ሉኣላዊነት ንክትጎናፀፍ ብሕብረትን ሓድነትን ብምስራሕ ንደቅና ነፃን ዝተማልአን ሉኣላዊነት ዝወነነት ኢትዮጵያ ጋህዲ ምግባር ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።
ቅድሚ 4 ዓመት ዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እውን መፍረያይነት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብፅሬት፣ብርክን ዓይነትን እናዓበየ ከምዝመፀ ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ሎሚ ዘበን እውን ዕቤት 10 ነጥቢ 2 ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኢንዱስትርን ኢትዮጵያ ተፍርን ዝፈጥርዎ ጥምረት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎም ኣብሪሆም።



ቅድሚ ዓመታት ንግዲ ወፃኢ 3 ቢልዮን ዶላር ንምስጋር እናተፀገመ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ሎሚ ዓመት ንፈለማ እዋን 10 ቢልዮን ዶላር ብምዕዋት ዓብይ ዓወት ከምዝኸውን ኣረዲኦም።
ዓውዲ ኢንዱስትሪ እውን ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እንትጅመር ዝነበሮ 4 ነጥቢ 7 ዕቤት ኣብዚ ሕዚ እዋን 10 ነጥቢ 7 ዕቤት ከምዘመዝገበ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት እውን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ዝነበረ ናይ 14 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ምትካእ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ስራሕ ኣቋሪፆም ዝነበሩ 993 ኢንዱስትሪታት ዳግማይ ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት 3 ሽሕን 680 ሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ናብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ከምዝተፀምበሩ እውን ፀሪሖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ተካእቲ ፍርያትን ንግዲ ወፃእን ሃናፂ እጃም እናበርከቱ ንዝርከቡ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን እንተዘይኣፍሪና ነፃነትና ክንጎናፀፍ ስለዘይንኽእል ኮሚቴ ቴክኒክ ብምጥያሽ ንዕቤት እቲ ዓውዲ ደገፍ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
መበል 4ይ ኤክስፖ ‘ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ’ እውን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ብምጉብናይ ከትርፉሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም