ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መፍረያይ ዓውዲ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ፃዕሪ ዘጠናኽር መበል 4ይ ኤክስፖ ‘ኢትዮጵያ ተፍሪ’ 2018 ብዕሊ መሪቖም ከፊቶም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መፍረያይ ዓውዲ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ፃዕሪ ዘጠናኽር መበል 4ይ ኤክስፖ ‘ኢትዮጵያ ተፍሪ’ 2018 ብዕሊ መሪቖም ከፊቶም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መፍረያይ ዓውዲ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ፃዕሪ ዘጠናኽር መበል 4ይ ኤክስፖ ‘ኢትዮጵያ ተፍሪ’ 2018 ብዕሊ መሪቖም ከምዝኸፈቱ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል 4ይ ኤክስፖ 'ኢትዮጵያ ተፍሪ' ከምዝመረቑ ብምሕባር እቲ ኤክስፖ ክሳብ ሕዚ ዘርኣዮምን ዝተመዝገቡን ዋና ዋና ዓወታት ዘርዚሩ።
ቀረብ እታዎት ዓውዲ መፍረያይ ብዓመት ካብ 9 ሚልዮን ናብ 15 ሚልዮን ቶን ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ ንሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ኢንዱስትሪ ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ጊጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝቐረበ ወሲኹ ሓቢሩ።
ንታሕተዎትን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝቐርብ ቀረብ ፋይናንስ ካብ 8 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ናብ 50 ቢልዮን ብር ከምዝዓበየ ብምሕባር፤ ንላዕለዎት ኢንዱስትሪታት ድማ ብልዕሊ 262 ቢልዮን ብር ከምዝዓበየ ፀሪሑ።
ነቲ ዓውዲ ልዕሊ 2 ነጥቢ 28 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፂ ከምዝተመደበ እውን ኣፍሊጡ።
ዓቕሚ ምፍራይ ፋብሪካታት ካብ 47 ሚኢታዊ ናብ 67 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ኣረዲኡ።
ዓቕምን ዕቤትን ምፍራይ ካብ 4 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ናብ 10 ነጥቢ7 ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ተወሳኺ ዕቤት ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፁ።
ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምትካእ ክሳብ 4 ነጥቢ 85 ቢልዮን ዶላር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ ንግዲ ወፃኢ እውን ልዑል ዕቤት እናርኣየ እዩ ዝርከብ ኢሉ።
ልዕሊ 2,800 ኢንቨስትመንትታት ምስሓብ ከምዝተኽኣለን ን1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረን እውን ኣብራህሪሁ።
እቲ ኤክስፖ ንኢንዱስትሪታት ዘተኣሳስር፣ ኢንቨስትመንትታት ዝስሕብ፣ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣፍረይትን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ጎብነይትን ዘራኽብ ቁልፊ ሃገራዊ መድረኽ ኮይኑ ይብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር።
ብሓፈሻ ምኽፋት እቲ ኤክስፖ እቲ መፍረያይ ዓውዲ ንዕቤት ኢኮኖሚ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነትን ዘለዎ ፋይዳ ብምጉላህ ንስግግር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ እናቀላጠፎ ከምዝኾነ ዘርኢ እዩ ኢሉ።