ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ሓዱሽ ምዕራፍ እናኸፈተት እያ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ሓዱሽ ምዕራፍ እናኸፈተት እያ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018 (ኢዜኣ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ሓዱሽ ምዕራፍ እናኸፈተት ከምዝኾነት ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነ ውድድር "የሲቲ ማውንቴን ባይክ ኤሊሚኔተር ፕሮ ሊግ (City Mountain Bike Eliminator Pro League)” ኣብ ኢትዮጵያ - ብኣዳላውነት ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
መበገሲኡን መዛዘሚኡን ታሪኽ መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ኣብ ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዝገበረ እቲ ውድድር ካብ ልዕሊ 24 ሃገራት ብዝመፁ ፕሮፌሽናል ተወዳደርቲ ብልዑል ንሕንሕን ወነን ዝተኻየደ ኣዝዩ ድሙቕ ውድድር እዩ።
እቲ ውድድር ኣመልኪተን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ስፖርት ምስ ዓለም እንራኸበሉ፣ እንረዳደአሉን ምትሕብባር እነጠናኽረሉን እቲ ሓደን ዓብይን ዓውዲ እዩ ኢለን።
መንግሥትና ንዓውዲ ስፖርት ዘለዎ ምልከታ ብምቕያሩ ፈታዊ ስፖርት ማሕበረሰብና ምስ ውድድራት ስፖርት ዓለም ንምትእስሳር ብዝሰራሕናዮ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ 3 ዓለም ለኸ ውድድራት ምድላው ክኢልና ኢና ክብላ እውን ሓቢረን።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ሓዱሽ ምዕራፍ እናኸፈተት እያ ኢለን።
ውድድር "የሲቲ ማውንቴን ባይክ ኤሊሚኔተር ፕሮ ሊግ (City Mountain Bike Eliminator Pro League)”ኣብ ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን መዘከርታ ታሪኽ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታትን ንክክየድ ንዝመረፁን ቀፃሊ ዓመት እውን ኣብዚ ከምዝካየድ ንዘረጋገፀ ዓለም ለኸ ሕብረት ብስክሌት(UCI)ን፣ ንዕዉትነት እቲ ምድላው ለይትን ቀትርን ንዝደኸሙ ኣካላትን ኣመራርሓ ስፖርትን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስጋና ኣቕሪበን።