ኣብ ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”እዚ ዓመት ጭቡጥ ዓወት ሃገራዊ ራኢና ምርኣይ ዓብይ ክብሪ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”እዚ ዓመት ጭቡጥ ዓወት ሃገራዊ ራኢና ምርኣይ ዓብይ ክብሪ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”እዚ ዓመት ጭቡጥ ዓወት ሃገራዊ ራኢና ምርኣይ ዓብይ ክብሪ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ‘ተኸታታሊ ፃዕርን ዝጭበጥ ውፅኢትን 4 ዓመታት!’ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ”እዚ ዓመት ጭቡጥ ዓወት ሃገራዊ ራኢና ምርኣይ ዓብይ ክብሪ እዩ ኢሎም።
ብውፅኢት ተኮር ኣመራርሓና ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ ተራእዩ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
እዚ ድማ ማእኸላይ ዓቕሚ ምፍራይ መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ካብ 47 ሚኢታዊ ናብ 67 ሚኢታዊ ብምዕባይ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ልዕሊ 2800 ኢንቨስትመንትታት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ፈላሞት 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ ብተካእቲ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ልዕሊ 4 ነጥቢ 85 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣመላኺቶም።
እቲ ኤክስፖ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ንቑሓት ኣፍረይትን ስታርትኣፓትን ብዝወሰኸ ዓቕሚ ብሓድነት ከምዘተኣኻኸበ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብሓባር ብምዃን እዚ ጠንካራ ምንቕቓሕ ብምቕፃል ነቲ ዝመፅእ ወለዶ ፅንዕቲ፣ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለትን ዓርሳ ዝኸኣለትን ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።