ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ንዕቤት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ኢኮኖምን ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ንዕቤት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ኢኮኖምን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርክት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ዝርከብ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል"ን ካልኦት ፋብሪካታትን ተዓዚቦም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብበዓል ሃፍቲ ውልቀ ዝተሃነፀ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ካብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ጅማን ኮምቦልቻን ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝበልፅን ምስ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ድማ ብመጠን ዝመጣጠን ከምዝኾነን ኣብሪሆም።
ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ሰላሳ ሼዳር ዘለውዎ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሰፊሕ፣ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝሕዝን ናብ ከተማ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብን ስለዝኾነ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዘለዎ እጃም ኣጉሊሁ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣብ ጨርቃ ጨርቂ መሰረት ዝገበረ ዝነበረ ፍርያት ፓርክ ኢንዱስትሪታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክሰፍሕ ብዝተሳለጠ ስራሕ ሶላር፣ባጃጅ ኤሌክትሪክ፣ጫማን ክዳውንትን ዝመሳሰሉ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ኢኮኖሚ ንክፈርዩ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።


 

ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ኢኮኖሚ ዘሎ መፍረዪ "ጎበዝ ሶላር ሴል" ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ጊጋ ዋት እናፍረየ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ተወሳኺ ክልተ ጊጋ ዋት ምፍራይ ከምዝጅምር ኣረዲኦም።
ፍርያት ሶላር ሴል ኣብ ሓፂር እዋን ምፍራይ ዝጀመረን እናሰፍሐ ዘሎን እዩ ኢሎም።
ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ብርክት ዝበሉ ሼዳት ዘለውዎን ስለዝኾነ ብርክት ዝበለ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ከምስዝስሕ ሓቢሮም።
ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ሁዋጂያን ንዕቤት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ኢኮኖምን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርክት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ተግባራዊ ለውጢ እናምዝገበን ሽግሽግ ኢንዱስትሪ እናምፀአን ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
እዚ ምጥንኻር እንተተኻኢሉ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኢትዮጵያ ብብዙሕ መልክዑ ዓርሳ ናይ ምኽኣል ዕድል ከምዘለዋ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ጠንኪርና እንተሰሪሕና፣ጀሚርና እንተዛዚምናን ክፍተታት እናረኣና ምምላእ እንተኽኢልናን ዘላቕን ተኸታታልነት ዘለዎን ዕቤት ብምምዝጋብ ብልፅግና ኢተዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጋህዲ ክንገብሮና ኢና ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ብምስፋሕን ብምዕባይን ብልፅግና ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር ዓብይ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም