ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ፀላኢ ህዝቢ ኮይኑ ከም ዝቐጸለ ዘርኢ እዩ- ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ 

ሰቖጣ፤ ሚያዚያ 24/2018(ኢዜኣ)፦ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ፀላኢ ህዝቢ ኮይኑ ከም ዝቐጸለ ዘርኢ ከም ዝኾነ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ኣፍሊጡ፡፡
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ከተማ ሰቖጣ ተኻይዱ፡፡


 
ምክትል ኣመሓዳሪ ከምኡ እውን ሓላፊ መምርሒ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ሹመት ጥላሁን ከም ዝበልዎ፤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ሰላም ክረክብ ከም ዝገበረ ኣዘኻኺሮም፡፡ 
ይኹን እምበር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ስምምዕነት ብምጥሓስ ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ወረራ ብምፍፃም ህዝቢ ክመዛበልን ንጸገም ክቃለዕን ገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ 
ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ወረዳታት ኣበርገሌን ፃግብጅን ዝለዓለ ግፍዕን መከራን እናብጸሐ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡ 
እቲ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ወረዳ ኣበርገሌ ዝፈፅሞ ወረራ መርኣያ ጥሕሰት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከም ዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ሹመት፤ ነቲ ህዝቢ ብምፍንቓል ዘረፋ እናፈጸመ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡ 
እዚ እኩይ ፍጻመ መጻኢ ጉንቦት ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ ህዝቢ ወፅዩ ነቲ ጉጅለ ምኹናኑ ኣግባብ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ምክትል ከንቲባ ከተማ ሰቖጣ ኣይተ ጌትነት ስሸቱ ብወገኖም ከምዝበልዎ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍጽሞ ብዘሎ ግፍዒ ዜጋታት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉን፣ ህፃናት እውን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ኮይኖም እዮም፡፡ 
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብጽሖ ዘሎ ግፍዕን መከራን እቲ ጉጅለ ንሰላም ቦታ ከም ዘይብሉ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ንክግንዘብ እውን ሓቲቶም፡፡  
ኣብቲ ከተማ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ እቶም ተሳፍቲ ብወገኖም ተልኣኣኽቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት 7ይ ሓፈሻዊ ረፃ ከተዓናቕፉ ተዋዲድም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተገንዚብና ኢና ኢሎም።
ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ብዕላዊ ተግባራዊ እናገበሩ እዮም ክብሉ እውን ተደሚፆም እዮም።
ወረራን ስርቅን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንሰላም ዋግ ኽምራን ኢትዮጵያን ዕንቅፋት ስለዝኾነ መንግስቲ ሕጊ ከኽብር ከም ዝግባእ ሓቢሮም።
ኣብቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፈ ነበርቲ ከተማ ሰቖጣን ካብ ወረዳታት ተመዛቢሎም ኣብቲ ከባቢ ዝሰፈሩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎም እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም