ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስሊ እታ ከተማ ኣብ ምቕያር ዝነኣድ ለውጢ ኣርእዮም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጡ ዘለዉ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስሊ እታ ከተማ ኣብ ምቕያር ዝነኣድ ለውጢ ከምዘርኣዩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደራት ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት እዋናት ኣብታ ከተማ ዝተርኣየ ልዑል ለውጢ ዝነኣድ እዩ።
ኣምባሳደር ሮማኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊያ ፓቲካ፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓፂር እዋን ተሰሪሑ ዝተርኣየ ለውጢ ንምእማኑ ዝኸብድ እዩ ኢለን።



ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን እታ ከተማ ዝነኣድ ለውጢ ከምዘርኣየት እውን ተዛሪበን።
ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌሃንድሮ ኢቭስ እስቲቪሊ ካስትሮ ብግደኦም፤ እቲ ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ፅባቐ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ነቲ ህዝቢ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ምዕዛቦም ሓቢሮም።



ብፍላይ ድማ ንዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ኣብታ ከተማ ንምዝውዋር፣ንምሽክርካርን ንምዝንጋዕን ኣዝዩ ሰሓቢ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣምባሳደር ፊንላንድ ኢትዮጵያ ሲኒካ ኣንቲላ፤ ኣብ እዋን ፃንሒቶም ዝተዓዘብዎ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ ፓርክታትን ወሰና ወሰን ሩባን ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ገሊፀን።
እቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ እታ ከተማ ንምንባርን ንምዝንጋዕን ተመራፂት ንክትኸውን ኣኽኢሎማ እዮም ኢለን።



ኣምባሳደር ባንግላዴሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኤር ቫይስ ማርሻል ሲትዋት ናዪማ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ለውጢ ዝተርኣየሉ ቅልጣፍ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ።



ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ዝነበረ ኩነታትን ሕዚ ዘሎ ለውጥን ሰማይን ምድርን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም