ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሰቖጣ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሰቖጣ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ፦ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ከተማ ሰቖጣ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቲ ሎሚ ብጉሓቱ ናብቲ ሰልፊ ዝወፀ ህዝቢ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ይኹንን ኣሎ።
እቶም ተሰለፍቲ፤ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣበርገሌ ዋግ ህምራ ዝፍፀም ዘሎ ስርቅን ቅትለትን ክኹንኖ ይግባእ፣ትንኮሳን ስራሕ ግብረ ራዕድን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንሰላም ኢትዮጵያን ዓለምን ዕንቅፋት እዩ፣ ዲሞክራሲያዊ ጠለባት ህዝቢ ዋግ ህምራ ይከበሩ ዝብሉ መልእኽትታት እናስምዑ ይርከቡ፡፡
ብተወሳኺ ህዝቢ ዋግ ህምራ መረፃና ብግብረ ራዕዲ ከተዓናቕፉ ዝደልዩ ሓይልታት ነቒሑ ብምሕላው ብሓባር ይመክት፣ ብውዲት ተልኣኣኽትን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን መረፃና ኣይተዓናቐፍን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ስርቅን ቅትለትን መረፃ ንምትእጉጓል ዝግበር ናይ ውክልና ኵናት እዩ ዝብሉን ካልኦትን መልእኽታት ተሰሚዖም እዮም፡፡
ኣብቲ ሰልፊ ነበርቲ ከተማ እቲ ምምሕዳር ብሄረሰብ፣ ተመዛበልቲ ኦፍላ፣ኮረም ዛታን ኣበርገሌን ተሳቲፎም እዮም፡፡