ፓርቲ ብልፅግና ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፁ ተግባራት ብዝበለፀ ከሳልጥ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /24/2018(ኢዜኣ)፦ ፓርቲ ብልፅግና ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግጹ ተግባራት ብዝበለፀ ከም ዝሰርሕ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናne ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣዳነች ኣቤቤ ገሊጸን፡፡
መርሃ ግብሪ ጎስጓስ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ፡፡ 



ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልጽግናን ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ብሕታዊ በዓል ዋና ስልጣን ህዝቢ እዩ፡፡ 
ብዘይ ተሳትፎን ሓገዝን ህዝቢ ብልጽግና ጋህዲ ምግባር ከም ዘይክኣል እውን ተዛሪበን፡፡ 
ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፁ ብዙሓት ስራሕቲ ከም ዘሳለጠ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ብልፅግና ኢትዮጵያ ደው ዘብል ዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ገሊጸን፡፡ 
ኣብታ ከተማ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንኹሉ ዘማእኸሉ ሓቋፋይ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ እዞም ተግባራት ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋገጹ እዮም ኢለን፡፡ 
ብልፅግና ቃሉ ዝሕሉ ፓርቲ እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ምስሊ እታ ከተማ ንምቕያር ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ከም ዝሃነፃ ተዛሪበን፡፡ 
ኣብ ቀጻሊ እውን ፓርቲ ብልጽግና ተረባሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ከም ዝሰርሕ ቃል ብምእታው"ንብልፅግናን ምረፁ" ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን።



ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልጽግናን ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሞገስ ባልቻ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር፣ ነቲ ፓርቲ ወኪሎም ዝወዳደሩ ሕፁያት፣ ኣባላት እቲ ፓርትን ደገፍቱን ተረኺቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም